ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁጽሪ ኣብ ቴክሳስ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ዝሞቱ ሰባት 53 ምብጽሑ ተገሊጹ


ኣብ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ኣመሪካ ቁጽሪ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ዝሞቱ ሰባት 53 በፂሑ።መጀመሪያ ዝሓለፈ ሰኑይ ብዘይዋና ኣብ ዝተገደፈት ተስሓቢት መኪና ናይ 46 ስደተኛታት ሬሳ ኣብ ሳን ኣንቶኒዮ ተረኺቦም።

ኣብ ውሽጢ እታ መኪና 39 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ሙቐት ከምዝነበረ ሰበስልጣን ይገልፁ።እቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዶብ ኣመሪካን ሜክሲኮን ዘጋጠመ ኣዚዩ ዝኸፍአ ክስተት እዩ።

ኣመሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ግሬግ ኣቦት ኣብ ጎደናታት ተወሳኺ ኑቕጣታት መፈተሺ ዓበይቲ መካይን ከምዝኽፈት ሎሚ ረቡዕ ወግዓዊ ገይሮም ኣለው።

መራሕ መኪና ሞት ዘስዓበ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ብዝብል ተኸሲሱ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG