ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁጽሪ ኣብ መጥቓዕቲ ካሊፎንያ ዝሞቱ ናብ 11 ክብ ምባሉ ተሓቢሩ


ቁጽሪ`ቶም ኣብ ጥቓ ሎስ ኣንጀለስ ትርከብ ሞንተሪ ፓርክ ትብሃል ንእሽቶ ከተማ ዝተቐትሉ ሰባት ናብ 11 ክብ ኢሉ።እቲ ተጠርጣሪ ንባዕሉ ከም ዝቐተለ ይግለጽ ኣሎ።በቲ ኣብ ሓደ ቻይናውያን-ኣመሪካውያን ዘዘውትርሉ ክለብ ሳዕስዒት ዝተፈጸመ ተኹሲ ብረት ዝቖሰሉ ድማ ካልኦት ትሸዓት ሰባት ኣለዉ። እቶም ፍጻመ ዘጋጠመ ሓዲሽ ዓመት ቻይና ኣብ ዘኽብርሉ እዋን`ዩ ኔሩ።

ኣባላት ስድራቤታት ብዛዕባ ፈተውቶም ክሰምዑ ኣብቲ ቦታ ተኣኻኺቦም ይርኣዩ።

ኣብ ኣፍደገ'ቲ ክለብ ኣባላት ኮሚኒቲ ሓዘኖም ይገልጹ። ካብ መንጎኦም ሓንቲ ሪታ ፉልሞር`ያ።

“ነብሰይ ናብዚ ክመጽእ ደሪኹኒ። ከም ሓገዝ ነዚ ኮሚኒቲ። ከምዚ ዓይነት ትራጀዲ ከጋጥም ከሎ፡ ኣየናይ ኮሚኒቲ ብዘየገድስ፡ ብልብና ብኣእምሮናን መንፈስናን ሓደ ክንከውንን ክንተሓቛቖፍን ኣለና። ምኽንያቱ፡ ብሓባር እንተኾይና ንድልድል፡ እንተ ተፈላሊና ድማ ንወድቕ ኢለ`የ ዝኣምን” ትብል።

ሂስፓኒክ ፍራንክ ሳላዛር እታ ሞንተሪ ፓርክ ትብሃል ኣብ ጥቓ ሎስ ኣንጀልስ ትርከብ ከተማ፡ 65% ነበርታ ኤስያውያን ኣመሪካውያን`ዮም: ብሓባር ድማ ይነብሩ ይብል።

“ህዱእን ሰለማውን ኮሚኒቲ`ዩ። ኣብዚ ቦታ፡ መዓልቲ ይኹን ቀትሪ ኩሉ ግዜ ሰላም`ዩ ዝስምዓኒ” ይብል።

ፖሊስ ንመበገሲ`ቲ ተኹሲ ክፈልጡ ይሰርሑ`ለዉ። ከምኡ ኣብ ካልእ ጥቓኣ ትርከብ ካልእ ከተማ ሓደ ሰብ ነቲ በዓል ብረት ብሓይሊ ክምንጥሎ ስለዝኸኣለ ሓደ ዝበርዓነ መጥቃዕቲ ኔሩ`ዩ።

ፓሊስ ሎስ-ኣንጀለስ ብዛዕባ`ቲ ዝሓለፈ ቀዳም ዝተፈጸመን ህይወት 11 ሰባት ዘጥፈአን ኣብ ሓደ ቻይናውያን ኣመሪካውያን ዘዘውትርሉ ክለብ ሳዕሲዒት ዝተፈጸመን መጥቃዕቲ ክገልጽ ከሎ፡ እቲ ተጠርጣራይ ወዲ 72 ዓመት ሁ ካን ትራን ዝተባህለ ኤስያዊ ኣመሪካዊ ምዃኑን ድሓር ንነብሱ ከምዝቐተለን ይገልጽ።

ነበርቲ ግን ሓዘኖም ምስቶም ግዳያት`ዩ፡ ዳረን ያን ሓንቲ ካብኦም`ያ።“እዞም ንጹሃት ሰባት ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ክጠፍኡ ዝግብኦም ኣይነበረን” ትብል።

ባንዴራ ፍርቂ ትሕት ኢላ ተንበልብል ኣላ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሞንተሪ ፓርክ፡ ሓንቲ ነባሪት ድማ ነቶም ፖሊስን ሰራሕተኛታት ድሕነትን ተመስግን፡ በቲ ዝቕጽል ዘሎ ምትዃስ ብረት ከም ዝሓዘነት ድማ ትገልጽ።

ኤነዝ ኣራካኪ“ሰንዲ ሁክ፡ ኡቨልደ፡ ኮሎምባይን፡ ኣብዚ ኣብ ሞንተሪ ፓርክ፡ ብዙሕ ክዝርዝር ምኸኣልኩ። ኣብ ብዙሕ ከባብታት`ዩ እዚ ብኣልማማ ዝፍጸም ዘሎ ተኹሲ ብረት። ኣብቲ ትነብረሉ ቦታ ክሳብ ዝመጻካ ኣይትፈልጦን ኢኻ “ ትብል።

ሓንቲ ካልእ ነባሪት ድማ እቲ ኮሚኒቲ ክሰርር`ዩ ትብል።“ጽኑዕን ሓያልን ኮሚኒቲ`ዩ። ስድራቤት ተኮር`ዩ ፡ሰባት ድማ ነንሕድሕዶም ይደጋገፉ ኣለዉ" ትብል።

XS
SM
MD
LG