ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁጽሪ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ሊብያ ብደብዳብ ነፈርቲ ዝሞቱ 55 ምብጽሑ ሕ/ሃ ኣፍሊጡ


ሕቡራት ሃገራት ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ለይቲ ኣብ ዋና ከተማ ሊቢያ ትሪፖሊ ስደተኛታት ተኣሲሮምሉ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ማእኸል ብዝተፈፀመ ደብዳብ ነፋሪት እንተወሓደ 55 ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት ልዕሊ 130 ድማ ከምዝቖሰሉ ገሊፁ።

ካብ ከተማ ትሪፖሊ ውፅእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ መዳጎኒ ፍልሰተኛታት ካብ ዝተፈፀመ ደብዳብ ብዙሓት ኣየምለጡን።ሕጂ እውን ኣብ ሆስፒታል ኣለው።ካብቶም እሱራት ሓደ ሱዳናዊ ስደተኛ ሳዳም ከምዚ ይብል።

“ ፈለማ ኣብ ርሑቕ ግጭት ሰሚዕና፤ቀፂሉ ሓያል ቦምብ ተተኲሱ።ነቲ ዝነበርናዮ ማዕጾ ብሓይሊ እንኳሕኲሕና ሓለውቲ ከፊቶም ኣውፂኦምና።እቲ ህንፃ እናርኣናዮ ብሓዊ ይነድድ ነይሩ እዩ።”

ሕቡራት ሃገራት እቲ መጥቓዕቲ ብገበን ኲናት ከሕትት ይኽእል እዩ ኢሉ’ሎ።

እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ምብራቓዊ ሊቢያ ንወታደራዊ ሓይሊ ይመርሕ ናይ ዘሎ ኸሊፋ ሓፍታር እሙናት ሓይልታት ከምዝተፈፀመ ሰበስልጣን ካብ ትሪፖሊ ይገልፁ።

ሓይልታት ሓፍታርን እሙናት ሓይልታት ዓለምለኸ ተቐባልነት ናይ ዘለዎ መንግስቲን ንዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ውግእ ይርከቡ።

እቲ ውግእ ንኣስታት 700 ሰባት ቀቲሉ ን94,000 ሰባት ድማ ኣመዛቢሉ’ሎ።

ኣዛዚ ፖሊስ ሌቴናል ኮሎኔል ናውሮዲን ካብ ትሪፖሊ ከምዝሓበሩዎ እቶም ስደተኛታት ካብ ኣፍሪቃ፣ካብ ኤስያን ሃገራት ዓረብን ዝመፁ እዮም።

ኣብ ጥቓ እቲ ዝዓነወ ማእኸል መዳጎኒ ስደተኛታት ናይ ኣፅዋር መኽዘን ከምዘሎ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝተባህለ ተሓላቒ መሰላት ብመፅናዕቱ ገሊፁ’ሎ።

XS
SM
MD
LG