ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁጽሪ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝረኽቡ ስደተኛታት ህጻናት የንቋልቁል ኣሎ ክብል ሕ/ሃ ሓቢሩ


ቁጽሪ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝረኽቡ ስደተኛታት ህጻናት የንቋልቁል ኣሎ ክብል ሕ/ሃ ሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:08 0:00

ቁጽሪ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝረኽቡ ስደተኛታት ህጻናት የንቋልቁል ኣሎ ክብል ሕ/ሃ ሓቢሩ

ኣብ መላእ ዓለም ምስ ዝውስኽ ዘሎ ቁጽሪ ካብ መነባብርኦም ዝመዛበሉ ዜጋታት ቁጽሪ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝረኽቡ የንቆልቁል ምሕላው ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ሓበሬታ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ልዕሊ 4 ሚልዮን ስደተኛታት ህጻናት ኣገልግሎት ትምህርቲ ኣይረኽቡን። እዚ ቁጽሪ ድማ ካብ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር ኸሎ ብልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ምውሳኹ እቲ ትካል ይገልጽ።

ሓንቲ ካብቶም ውሑዳት ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝረኸቡ ጓል 15 ዓመት ሪሓና ስራጅ እያ። ንሳን ኣሕዋታን ካብ ኢትዮጵያ ተሰዲዶም ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ካኩማ መዓስከር ስደተኛታት ኬንያ ይርከቡ።

ሪሓና ትምህርታ ምስ ወደኣት ሓኪም ክትከውን ከምትደልይን ትገልጽ ምክንያታ ድማ ካልኦት ሰባት ንምሕጋዝ ምኳኑ ተረድእ።

61 ሚእታዊት ካብ ህጻናት ስደተኛታት ናይ ቀዳማይ ደረጃ ናይ ትምህርቲ ዕድል ኣይረኽቡን፡ ዕድመ እንዳወሰኸ ምስ ከደ ድማ እቲ ቁጽሪ እንዳወሰኸ ከምዝኸይድ ሕቡራት ሃገራት የረድእ።

ክልተ ሲሶ ካብቶም ናይ ቀዳማይ ደረጃ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝረኸቡ ህጻናት ስደተኛታት ናይ ካልኣይ ደረጃ ናይ ትምህርቲ ዕድል ኣይረኽቡን።

ንሕብረተሰባዊን ባህላዊን ቀይድታት ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ደቂ ኣንስትዮ እተን ዝያዳ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዘይረኽባ እየን።

ውሱን ናይ ትምህርቲ ዕድል ድማ ንስደተኛታት ናብ ግዱድ መርዓ፡ ግዱድ ስራሕ፡ ዘይሕጋዊ ስደትን ከምዘምርሖም ሰብ ሞያ ይገልጹ።

ዓባይ ሓፍቲ ሪሓና ቀዳማይ ደረጃ ትምህርታ ከይዛዘመት ንኣሕዋታ ክትናብይ ምግዳዳ፡ ኣሕምልቲ ብምሻጥ ኣሕዋታ ከምትናብይ’ውን ሪሓና ትገልጽ።

“ኣነ ትምህርተይ ስለዘቋረጽኹ ኣሕዋተይ ትምህርቶም ከቋርጹ ኣይደልይን። ትምህርቶም ክውድኡ እንተኺኢሎም ንዓይን ነቶም ነኣሽቱ ኣሕዋቶም ክአልዩ ይክእሉ’ዮም ኣነ ክገብሮ ዘይኸአልኹ ብዙሕ ነገራት’ውን ክገብሩ ይክእሉ” ትብል ፎዝያ ስራጅ ዓባይ ሓፍታ ንሪሓና ስራጅ።

ሪሓና ብወገና ትምህርታ ክትከታተል ብምኽኣላ ከምትሕጎስን ትምህርታ ከትውድእ ዘለዋ ምሉእ ምትእምማን ትገልጽ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ብወገኖም ስደተኛታት ህጻናት ኣብ ኣብያታ ትምህርቲ ዘለውዎ ሃገር ክመሃሩ ዝሓሸ ምኳኑን ከም ናይ መንነት ወረቐት ዝኣመሰሉ ዕንቅፋታት ነዞም ስደተኛታት ክለዓሉ ጻውዒቱ የቕርብ።

XS
SM
MD
LG