ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ብምውሳኹ ጀርመንን ፈረንሳይ ዳግማይ ምዕጻው ኣዊጀን


ሓደሽቲ ብኮቪድ 19 ዝተትሓዙ ሰባት እናወሰኸ ብምኻዱ መራሕቲ ፈረንሳይን ጀርመንን ምስፍሕፋሕ ናይቲ ለበዳ ንምዕጋት ሓድሽ ናይ ምዕፃው ስጉምቲ ይወስዱ ኣለው።

ናይ ፈረንሳ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ትማሊ ረቡዕ ንመላእ እታ ሃገር ብቴሌቪዥን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ንሓደ ወርሒ ዝፀንሕ ምዕፃው ፅባሕ ዓርቢ ከምዝጅመር ሓቢሮም።

ናይ ጀርመን መራሒት ኣንጌላ መርኬል እውን ምስ መራሕቲ 16 ናይ ፌደራል ክልላት ድሕሪ ምዝርራበን ንሓደ ወርሒ ዝፀንሕ ተመሳሳሊ ምዕፃው ኣዊጀን ኣለዋ።

ኣብ መላእ ዓለም ክሳብ ሎሚ ሓሙስ ንጉሆ 44.4 ሚሊዮን ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት 1.1 ሚሊዮን ድማ ምሟቶም ተመዝጊቡ ኣለው።

ህንዲ 8 ሚሊዮም ብምምዝጋብ 8.8 ሚሊዮን ንዝመዝገበት ኣሜሪካ ብምስዓብ ካልኣይቲ ተሰሪዓ'ላ ።

XS
SM
MD
LG