ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተሓዙን ዝሞቱን ብምውሳኹ ሃገራት ዝተፈላለየ እገዳ የንብራ ኣለዋ


መትሓዝን ሞትን ኮቪድ19 ኣብ ዙርያ ዓለም መዓልታዊ ክብረ ወሰን ምስባሩ ቀጺሉ`ሎ: ሃገራት ድማ ነቲ ቫይረስ ንምዕጋቱ ብዝብል ብእኡ መጠን እገዳታት ምግባር ይግደዳ`ለዋ።

ጀርመን ቁጽሪ መትሓዝታ ልዕሊ ሓደ ሚልየንን 350 ሽሕን ድሕሪ ምኻዱ ካብ ረቡዕ ጀሚራ እገዳ ክትገብር መዲባ`ላ-።ጣልያን ንእንግሊዝ ብምቕዳም ኣብ ኤውሮጳ ዝበዝሑ ዝሞትዋ ሃገር ኮይና`ላ።

ብኻልእ ወገን ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ ንክታበት ፋይዘርን ባዮንተክን ድሕሪ ምጽዳቑ፡ ቀዳማይ ጽዕነት ክታበት ኣብ ዞባዊ ማእከላት ክበጽሕ ጀሚሩ`ሎ።

ሜክሲኮ`ውን ነቲ ክታበት ንህጹጽ ጠቕሚ ኣጽዲቓቶ`ላ። ብሪጣንያ: ባህሬንን ካናዳን ከምኡ`ውን ስዑዲ ዓረብ ነቲ ክታበት ኣጽዲቐንኦ ኣለዋ።

ኣብ ኣዝዩ ዝሑል መትሓዚ ዝጉዓዝ ክታበት ኮቪድ ትማሊ ናብ ማእከላት መከፋፈሊ ክጉዓዝ ጀሚሩ`ሎ።ኮሚሽነር ምምሕዳር መንግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ ስተፈን ሓን ንሲ ኤን ኤን ክዛረብ ከሎ እቲ ክታበት ካብ ሎሚ ሰኑይ ጀሚሩ ክውሃብ ክጅምር ተስፋ ንገብር ኢሉ ።

ሰራሕተኛታት ጥዕናን ዓበይትን ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ክታበት ከምዘለዉ`ውን ተሓቢሩ`ሎ። ብኻልእ ወገን ፕረሲደንት ትራምፕ፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ሰራሕተኛታት ዋይት ሃውስን ካብ ቀዳሞት ክታበት ክረኽቡ ኣመሓላሊፍዎ ዝነበረ መምርሒ ስሒብዎ`ሎ።

ኣብ ምምዕባል ክታበት ላዕላዋይ ኣማኸሪ መንግስቲ ሞንቸፍ ስላዊ ትማሊ ሰንበት ንፎክስ ንውስ ክገልጽ ከሎ፥ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት፡ 100 ሚልየን ኣመሪካውያን ነቲ ክታበት ክወስዱ`ዮም ኢሉ።

እንተኾነ፥ ካብ ርብዒ ክሳብ ፍርቂ ዝኾኑ ኣመሪካውያን ብዛዕባ ምውሳድ`ቲ ክታበት ምትእምማን ከምዝሓጽሮም ይግለጽ ኣሎ።

መንግስቲ ብዛዕባ ድሕነት`ቲ ክታበት ዝያዳ ግልጺ ክኸውን ኣለዎ ይብል ሚስተር ሓህን። ፈተናታት`ታ ክታበት ከምዘርኣዮ 95% ውሑስ ኮይኑ`ሎ።

ቫይረስ ኮሮና ምትሕልላፉ ደው ኣቢሉ ንምባል ካብ 75 ክሳብ 80% ህዝቢ ኣመሪካ ክሳብ ወርሒ ግንቦትን ሰነን ክኽተብ ኣለዎ ይብል ኣማኻሪ መንግስቲ ሞንቸፍ ስላዊ።

እቲ ክታበት ቅድሚ ኣብ ጠቕሚ ምውዓሉ፥ ትሕቲ ዜሮ 70 ድግሪ ሰልስየስ ኣብ ዘለዎ ዛሕሊ ክኽዘን ኣለዎ።

XS
SM
MD
LG