ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁጽሪ ህዝቢ ዓለም ኣብ ዝመጽእ 30 ዓመታት 9.7 ቢልዮን ከምዝበጽሕ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ


ቁጽሪ ህዝቢ ዓለም ኣብ ዝመጽእ 30 ዓመታት ካብ 7.7 ቢልዮን ናብ 9.7 ቢልዮን ከምዝውስኽ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ክፍሊ ቁጠባዊን ህዝባዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሶኑይ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ መጽናዕቲ ቁጽሪ ህዝቢ ዓለም እቲ ዝለዓለ ደረጃ ማለት 11 ቢልዮን ኣብ መወዳእታ እዚ ክፍለ ዘመን ከምዝበጽሕ ሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ሓድሽ መጽናዕቲ ፍርቂ ካብቲ ዝውስኽ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ኣብ ትሸዓተ ሃገራት ከምዝረአ ይገልጽ። እዘን ሃገራት ህንዲ፡ናይጀርያ፡ፓኪስታን፡ኮንጎ፡ኢትዮጵያ፡ታንዛንያ፡ኢንዶኖዥያ ግብጺን ኣሜሪካን እየን።

ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ብዝሒ ህዝቢ ብዕጽፊ ከምዝውስኽ እቲ ዝወጸ መጽናዕቲ ወሲኹ የረድእ።

ጸሓፊ ክፍሊ ቁጠባዊን ማሕበራዊ ጉዳያትን ኣብ ሕ/ሃ ሉ ዘህማን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ “ እተን ብቅልጡፍ ቁጽሪ ህዝበን ዝውስኽ ዘሎ ሃገራት እተን ድኻታት ሃገራት እየን። ብዝሒ ህዝቢ ድማ ኣብተን ሃገራት ንዘለው ከም ድኽነት፡ ሕጽረት ኣገልግሎት ሕክምና፡ትምህርትን ጾታዊ ማዕርነትን ንምቕራፍ ኣጸጋሚ ይገብሮ”ኢሎም።

እቲ ሓድሽ ሪፖርት ብተወሳኺ ብዝሒ ኣረጋዊያን ዓለም ይውስኽ ከምዘሎ ብኣንጻሩ ግን ብዝሒ ዝውለዱ ህጻናት ምጉዳሉ ይገልጽ።

ዓለምለኸ ቁጽሪ ዝውለዱ ህጻናት ካብ 3 ካብ ሓንቲ ኣደ ኣብ 1990 ናብ ክልተ ኣብ 2019 ጎዲሉ። ኣብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ቁጽሪ ዝውለዱ ቆልዑ ካብ ሓንቲ ኣደ ኣርባዕተ ምዃኑ ሪፖርት ሕ/ሃ ይሕብር።

ብመሰረት እዚ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣብ ገለ ሃገራት ስደት/ፍልሰት ቀንዲ ምክንያት ንምውሳኽ ወይ’ውን ምጉዳል ብዝሒ ህዝቢ ምዃኑ ይገልጽ።

ካብ 2010 ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ ጊዜ 14 ሃገራት ብሰንኪ ስደት ቁጽሪ ህዝበን ክውስኽ ከሎ 10 ካልኦት ሃገራት ድማ ብዝሒ ህዝበን ክጎድል’ዩ።

XS
SM
MD
LG