ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁጠባ ኣመሪካ ንሳልሳይ ርብዒ'ዚ ዓመት ምጉዳሉ ተገሊጹ


ኣብ ሚንስትሪ ንግዲ ኣመሪካ ቤት ጽሕፈት ቁጠባዊ ትንታነ ትማሊ ሓሙስ ዘውፅኦ ፀብፃብ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ምህርቲ ውሽጢ ዓዲ ካብ ሚያዚያ ክሳብ ሰነ ኣብ ዘሎ እዋን ብ0.9% ምንካዩ ሓቢሩ።እዚ ድማ ኣብ መጀመርያ ርብዒ ዓመት ብ1.6% ምውራዱ ስዒቡ እዩ።

ንኽልተ ተኸታታሊ ርብዒት ናይዚ ዓመት'ዚ ቁጠባ እንተወሪዱ ብልሙድ ኣበሃህላ ምልክት ቁጠባዊ ድቀት ወይ ሪሰሽን እዩ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ኣባላት ምምሕዳሮምን ግን ንኩነተ ቁጠባ እታ ሃገር ንምግላፅ ሪሰሽን ዝብል ቃል ካብ ምጥቃም ተቖጢቦም ኣለው።

ፕረዚደንት ባይደን "ኣብ ቁጠባዊ ድቀት ምእታው ብዝምልከት ሎሚ ኣብ ዎልስ ስትሪትን ኣብ መንጎ ሰብ ሞያን ብዙሕ ዘረባታት ክትስምዑ እዮም።ኣብ ናይ ሸቕሊ ዕዳጋና፣ወፃኢታት ተጠቀምቲ፣ ወፍሪን ንግዲ እንተሪኢና ግን ኣብ ካልኣይ ርብዒ ምልክታት ቁጠባዊ ገስጋስ ኢና ንርኢ ዘለና።

ትማሊ ንጋዜጠኛታት መግለፂ ዝሃባ ሚንስትር ገንዘብ ኣመሪካ ጃኔት የለን እቲ ቁጠባ ኣብ ድቀት ኣትዩ ዝብል "ናይ ትርጉም ኲናት ክነወግድ ኣለና’’ ኢለን።

መብዛሕቲኦም ክኢላታት ቁጠባን መብዛሕቲኦም ኣመሪካዊያንን ድቀት ቁጠባ ብዝምልከት ተመሳሳሊ ትርጉም ኣለዎም ዝበላ ንሰን ብዙሕ ስእነት ስራሕን ሰፊሕ ምንካይ ሰራሕተኛትን፣ምዕፃው ትካላት ንግዲን ዝሕታለ ምንቅስቓስ ናይ ውልቂ ጽላትን፣ባጀት ስድራ ቤታት ኣብ ከቢድ ፀገም ምውዳቕን ብድምር ቁጠባ እታ ሃገር ሰለይ እንተድኣ ኢሉ ምልክት ድቀት እዮም፤እዚኦም ኩሎም ግን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣይንሪኦምን ዘለና ኢለን የለን።

ኣብ ኣመሪካ ኢንተርፕራይዝ ኢንስቲትዩት ብዓል ሙያ ቁጠባ ዴዝሞን ላችማን ግን ኣብ ክልተ ተኸታተልቲ ርብዕታት ዓመት ኣሉታዊ ምዕባለ ቁጠባ ስለ ዝተርኣየ ኣብ ድቀት ኣቲና ኣለና ኢሉ።

XS
SM
MD
LG