ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁሱላት ተቃለስቲ ሑቲ ካብ ከተማ ሰንዓ ይግዕዙ ምህላዎም ተገሊጹ


ኣብ ኹናት የመን ዝቖሰሉ ተቃለስቲ ሑቲ ካብቲ ዝቆጻጸርዎ ክፋል ከተማ ሰንዓ ይግዕዙ ምህላዎም ተገሊጹ።

እቶም ቁሱላት ናብ መዓርፎ ነፈርቲ’ታ ከተማ ብምምራሕ ናይ ሕቡራት ሃገራት ነፋሪት ከምዝተሳፈሩ ተፈሊጡ’ሎ።

ምግዓዝ እቶም ቁሱላት እቲ ቀንዲ ዕንቅፋት ዝርርብ ሰላም ወርሒ መስከረም ከምዝነበረ ይዝከር።

ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኣብ የመን ክካየድ ዝጸንሓ ኹናት ሓድሕድ ነታ ሃገር ናብ ጥምየት ዝሸመማ ክከውን ከሎ ኣብ ወደባይት ከተማ ሆዳይዳ ዝጸንሓ ጽዑቕ ኩናት ድማ ንስርሒት ሰብኣዊ ሓገዝ ብፍርቂ አጉዲልዎ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ሑቲን መንግስቲን ዝርርብ ሰላም ኣብ መጀመርታ’ዚ ወርሒ ኣብ ሽወደን ክካየድ ተወጢኑ ከምዘሎ’ውን ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG