ዋሽንግተን —
ኣብ ጃፓን ሓደ ካብ ኣዚዮም ፀለውቲ ፖለቲከኛታት ዝኾኑ ቀዳማይ ሚንስትር ነበር ሽንዞ ኣበ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ፖለቲካዊ ወፍሪ መደረ የስምዑ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዝተተኾሰሎም ጥይት ሞይቶም።
ወዲ 67 ዓመት ኣበ ብጥይት ምስተሃረሙ ናብ ሆስፒታል ብሆሊኮፕተር እንተተወስዱን ሓካይም ምፍሳስ ደም ደው ንምባልን ደም ክህቡዎም እንተፈተኑ እውን ሓደ ጥይት ንልቦም ጨዲዱ እቲ ካልአይ ጥይት ድማ ንክሳዶም ብምውቅዑ ከድሕኑዎም ኣይክኣሉን።
ኣበ ውሩይ ፖለቲከኛ ብምንባሮም ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ጃፓን ብብረት ዝፍፀም ህውከትን ቅንፀላን ብዙሕ ልሙድ ስለዘይኮነ እቲ ፍጻመ ካብ መጠን ንላዕሊ ዓብይ ስንባደ ፈጢሩ'ሎ።
ተጠርጣሪ ኣብ ሰራዊት ዘገልገለ ወዲ 41 ዓመት ኮይኑ ሰበ ስልጣን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታው ይገልጹ ኣለው።
ኣብ ዙሪያ ዓለም መራሕቲ ሃገራት ንቕንጸላ ኣበ ብስንባደ ግብረ መልሲ ይህቡ ኣለው።