ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ጃፓን `ሺንዞ ኣበ`  ስልጣኑ ከምዝሓድግ ኣፍሊጡ


ናይ ጃፓን ቀዳማይ ሚንስተር `ሺንዞ ኣበ` ብምኽንያት ናይ ጥዕና ኩነታት ሃንደበት ስልጣኑ ከምዝሓድግ ኣፍሊጡ። ሚንስትራት ምክልኻልን ጉዳያት ወጻእን ጃፓን ዝርከብዎም ሕጹያት ንኣበ ክትክኡ ድልየቶም ኣርእዮም ኣለዉ።

ብመሰረት ፓርላመንታዊ ስርዓት ጃፓን፡ እቲ ገዛኢ ፓርቲ`ዩ ቀዳማይ ሚንስተር ዝኸውን ሰብ ዝመዝዝ።

ወዲ 65 ዓመት `ሺንዞ ኣበ` ንጃፓን ዝነውሐ ግዜ ዝመርሐ ኮይኑ ፥ ሓደ ዓመት ምስተረፎ`ዩ ስልጣኑ ከረክብ ወሲኑ።

XS
SM
MD
LG