ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተራኺቦም: ተዘራሪቦም


ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ዘካየዱ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ:ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብምርኻብ ኣብ ክልቲኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ሰፊሕ ምይይጥ ምክያዶም መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ሓቢራ።

ኣብቲ ርኽብ ክልቲኦም መራሕቲ ድሕሪ'ቲ ኣብ ሓምለ 2018 ዝተፈረመ ኣዋጅ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነት ዝተመዝገበ ምዕባለታትን ዘጋጠሙ ዕንቅፋታትን ብዝምልከት ተዘራሪቦም።

ብተወሳኺ ክልቲኦም መራሕቲ ነቲ ዝዕወት ዘሎ ኹሉ ወገናዊ ዝኾነ ምትሕብባር ክልቲኦም ሃገራትን ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ዘለዎም ምትሕብባር ንምቅጻል ተሰማሚዖም።

እቲ ብቀዳማይ ሚንስትር ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኻት ብቐዳም ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ዞባ ደቡብ ዝርከብ ናይ ሕርሻን ትሕተ ቅርጺ ፕሮጀክታትን ብምብጻሕ ተዓዚቦም።

ትማሊ ሰንበት ድማ እቲ ብቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኻት ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ዝርከበ ዲጋ ከርከበት ድሕሪ ምብጻሕ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሳዋ ኣብ ዝነበሮም ናይ ዕረፍቲ ጊዜ ኣብ ናይ ምድላው ናይ መመረቕታ ስነ ስርዓት ንዝነበሩ መበል 33 ዙር ሃገራዊ ኣገልግሎት ሳዋ ተዓዚቦም።

ቀዳማይ ሚንስትር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ድሕሪ ምዝዛም ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

XS
SM
MD
LG