ዋሽንግተን —
ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቅ ሙስጠፋ ኣልካድሂሚ ኣብ መንጎ ሰልፍታት ፖለቲካ እታ ሃገር ዘሎ ሕንፍሽፍሽን ህውከትን እንተደኣ ቀጺሉ ስልጣነይ ክሓድግ እየ ክብሉ የጠንቅቑ።
ኣልካድሂሚ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ባቕዳድ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኩሎም ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣዛዚ ጀነራል ሓይልታት ሰራዊት ክሓብሩ ጸዊዖም'ለዉ።
"ኣብ መንጎ መንግስታዊን ዘይመንግስታውን ሰልፍታት ዘሎ ምትላላት ምድንጋራት የብቅዕ። ኹሉ ሰርዓተ ጸጥታ ምስቲ እዚ ጀነራል ሓይልታት ሰራዊት ክተኣሳሰር አለዎ። ስርዓት ዘየኽብሩ ሕጋዊ ሳዕቤን ክቅበሉ አለዎም። ትማሊ ኣብ መዓላ ዝወዓለ አጽዋር ንምክልኻል ዒራቅ ደኣምበር ንስልጣን ተባሂሉ ንዝፍጠር ጎንጺ ክውዕል የብሉን" ኢሎም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቅ ነዚ ዝተዛረቡ ኣብ መንጎ እቶም ነቶም ሓያል መራሒ ሽዓ ሙኽታር ኣልሳዳርን ኣብቲ ሓምላይ ዞባ ባቅዳድ ዝርከቡ ሓይልታት ጸጥታን ንክልተ መዓልታት ሞት ዘስዓበ ጎንጺ ድሕሪ ምክያዱ'ዩ።