ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ካናዳ መንበር አባልነት ባይቶ ጸጥታ ሕ/ሃ ንምርካብ ናብ ኣፍሪቃ የምርሑ


ቀ/ሚ ካናዳ መንበር አባልነት ባይቶ ጸጥታ ሕ/ሃ ንምርካብ ናብ ኣፍሪቃ የምርሑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:06 0:00

ቀ/ሚ ካናዳ መንበር አባልነት ባይቶ ጸጥታ ህ/ሃ ንምርኻብ ናብ ኣሜሪካ የምርሑ

ቀዳማይ ሚንስትር ካናዳ ጃስትን ትርዶ ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምስታፍ ሎሚ ሓሙስ ናብ ኢትዮጵያ ኣምሪሖም ኣለው።ዕላማ ዑደቶም ዲፕሎማት ሰንከልከል ዝብል ንዝብልዎ ምርቋሕ ንመንበር አባልነት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንምብርባር ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ’ሎ።

ቕድሚ ቀ/ሚ ትሩዶ ኣብ ሕዳር 2015 ናብ መሪሕነት ምምጽኦም ዝነበረ ዓቓባዊ ምምሕዳር’ታ ሃገር ነቲ ዓለምለኻዊ ውድብ ብጥርጣረ ዝርእይ ዝነብረ ኽከውን ከሎ ካናዳ ኣብ 2010 አባል ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምኳን ከምዘይተዓወት ይዝከር።

ካናዳ፡ኣየርላንድን ኖርወይን ኣብቲ ኣብ ዓመተ 2021-2022 ክፉት ዝኸውን ክልተ መንበር ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ይወዳደራ ኣለዋ። ድምጺ ምውሃብ ድማ ሰነ 17,2020 ክጅመር’ዩ።

ቀ/ሚ ካናዳ መንበር አባልነት ባይቶ ጸጥታ ሕ/ሃ ንምርካብ ናብ ኣፍሪቃ የምርሑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:06 0:00

ቀ/ሚ ትሩዶ ኣብ አዲስ አበባ ዝካየድ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝሳተፉ መራሕቲ ኣፍሪቃ ድሕሪ ምርኻብ ናብ ሰኔጋል ከምዘቕንዑ ተፈሊጡ’ሎ።

ኣፍሪቃ ዋላ’ኳ ካብተን 193 አባላት ሃገራት ሕቡራት ሃገራት 54 ሃገራት ዝርከባላ ኣህጉር እንተኾነት መንግስቲ ካናዳ ግን ምስቲ ኣህጉር ዝኾነ ይኹን ዝምድና ኣይጸንሖን።

ዝሓለፈ ወርሒ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ካናዳ ፍራንስዋ ፊሊፒ ሻምፕየን ናብ ሞሮኮን ማሊን ብምብጻሕ ኣብቲ ቦታ ተዋፊሮም ዘለው ሰራዊት ዓቓብ ሰላም ካናዳ ምርኻቦም ይፍለጥ። ብዛዕባ ምርቋሕ አባልነት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ድማ ዘለዎም ኣወንታዊ ተስፋ ድማ ገሊጾም።

ይኹን ደአ እምበር ካናዳ ካብ ኖርወይን ኣየርላንድ ብዝተሓተ ደረጃ ካብ ናይ ውሽጢ ሃገር ፍርያታ ኣብ ናይ ወጻኢ ሃገራት ሓገዝ ከምተውዕል ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG