ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ እስራኤል ናብ ሩስያ ብምጉዓዝ ምስ ፕረ. ፑትን ተራኺቦም ተመሊሶም


ክልተ ሰሙን ኣቝጺሩ ንዘሎ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ንምሽምጋል፡ ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል ናፍታሊ በነት፡ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ተራኺቦም ከም ዝተዛራረቡ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ይጠቅስ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ድሕሪ ምጅማር ኲናት ናብ ሩስያ ዝተጓዕዙ ቀዳማይ መራሕ ሃገር ኰይኖም ኣለዉ።እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ድሕሪ'ቲ ርክብ ንካቢነኦም ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ኣዝዩ ኣሻቓሊን ንሰፊሕ ሰብኣዊ ስቓይ ዘቓልዕን'ዩ ኢሎም ኣለው። ሽሕ እኳ ሃገሮም ነቲ ኩነታት ክትልውጥ ዘለዋ ተኽእሎ ንእሽቶ እንተ መሰለ፡ ንምሽምጋል ክጽዕሩ ምዃኖም ድማ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ወሲኾም ገሊጾም። እስራኤል ምስ ክልቲአን ሃገራት ጽቡቕ ዝምድና ከም ዘለዋ ዝግለጽ ኰይኑ፡ ንዩክሬን ወተሃደራዊ ኣጽዋር ኣብ ምዕጣቕ ኣይትሳተፍ ደኣ’ምበር፡ ኣብታ ሃገር ንዘለዉ ኣይሁዳውያን ንምውጻእ ክትሰርሕ ምዃና ግን እቲ ዜና ይጠቅስ።

XS
SM
MD
LG