ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መንጎ ዞባታት ሲዳማን ጊጂን ዝተሃንጸ መስኖ ጊዳቦ መሪቖም


ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መንጎ ዞባታት ሲዳማን ጉጂን ዝተሃንፀን ንዓሰርተታት ኣሽሓት ሄክታር ዘልምዕን ፕሮጀክት መስኖ ጊዳቦ ትማሊ ሰንበት መሪቖም።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ናይ መስኖ ፕሮጀክት መሪቖም ምስ ከፈቱ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እቲ ፕሮጀክት ዓብይን ንኡስን ዝኾነ ናይ ጉጂ ኦሮሞን ናይ ሲዳማ ህዝብን ዘቀራርብ እዩ ኢሎም።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ወሲኾም መንግስቲ ምትእስሳር ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘሓይሉ ተመሳሰልቲ ፕሮጀክታት ናይ ምስራሕ ድልየት ከምዘለዎ እውን ገሊፆም ።

“ፈደራላዊ መንግስቲ ንመጻኢ’ውን ንህዝቢ ኣምሓራን ትግራይን ዘተኣሳሰር፣ንህዝቢ ኣምሓራን ኦሮሞን ዘተአሳስር፣ናይ ኦሮሞን ደቡብ ህዝብታትን ዘተአሳስር፣ንኦሮሚያን ቤንሻንጉልን ዘአተሳስር፣ናይ ሓባር ፕሮጀክትታት እናሓንጸጸ ህዝብታት ብሓባር ንክሰርሑ፣ብሓባር ከልምዑን ክለምዑን ትፅቢት ዝግበረሉ ስራሕ ብፍሉይ ጠመተ ከምዝሰርሕ በዚ ኣጋጣሚ ክገልፀልኩም እደልይ።”

ኣብታ ሃገር ይህንጹ ዘለው ፕሮጀክትታት መስኖ ብኢትዮጵያዊያን ሰበሞያ ይህነፁ ዘለው ስለዝኾኑ ኣብ ዓድና ዘሎ ሃብቲ ማይን መሬትን ጥራሕ ዘይኮነስ ነዚኦም ክጠቕም ዝኽእል ፍልጠት ምፍጣሩ ዓብዪ ፀጋ እዩ ኢሎም።

ንሶም ቀጺሎም ህዝቢ ኢትዮጵያ ምስሕሓብን ጭቕጭቕን ሰልቺዩዎ ስለዘሎ ሕጂ ዝደልዮ ዘሎ ብሰላም ሰሪሑ ምእታው እዩ ኢሎም።ኢትዮጵያ ናይ ስርናይ ለማኒት ዝኾነት ዘለዋ ማይን ልሙዕ መሬትን ክጥቀም ዝኽእል መንግስትን ኣተሓሳስባን ስለዝጠፍአ እዩ ኢሎም ።

ምስ ምምራቕ እቲ ዲጋ ጎኒ ንጎኒ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድን ኣቶ ለማ መገርሳን ምስ ጉጂ ኣባገዳታትን ምስ ነበርቲ እቲ ዞባን ኣብ ዙሪያ ሰላም መኺሮም ኣለው።

ናይ ኦሮሚያ ክልላዊ መንግስቲ ፕረዚዳንት ኣቶ ለማ መገርሳ ናይቲ ግድብ ረብሓ ዓብዩ እዩ ኢሎም ኣለው።ብኣሽሓት ንዝቑፀሩ ስራሕ ኣልቦ መናእሰይ ኦሮሞን ሲዳማን እውን ናይ ስራሕ ዕድል ዝፈጥር እዩ ኢሎም።

ናይ ደቡብ ክልል ፕረዚዳንት ኣቶ ሚሊዮን ማቲትዮስ ብወገኖም እቲ ፕሮጀክት ኣብ ሲዳማ ካብ ዘልምዖ ኣርባዕተ ሽሕ ሄክታር እቲ ሰለስተ ሽሕ ሄክታር ንመናእሰይ ክኸውን እዩ ኢሎም።

እቶም ፕሬዝዳንት ወሲኾም ናይ ጊዳቦ ፕሮጀክት ኣብ ህዝብታት ጉጂ ኦሮሞን ሲዳማን ማሕበራውን ቁጠባዊ ምትእስሳር ዘሓይል እዩ ኢሎም ።

ሚንስትር ማይ፣መስኖን ኢንተርጅን ዶ/ር ስለሺ በቀለ እቲ ግድብ ኣብ 2002 ዓ.ም ዝተጀመረ፣1.2 ቢሊዮን ብር ዝወድአን 13,405 ሄክታር መሬት ከልምዕን ዝኽእል ዓብይ ፕሮጀክት ኮይኑ ን10 ሽሕ ገባራትን 192 ሽሕ መናእሰይን ተጠቀምቲ ዝገበር እዩ ኢሎም ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቀ/ሚ ኣብ መንጎ ዞባታት ሲዳማን ጊጂን ዝተሓንጸ መስጎ ጊዳቦ መሪቖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:37 0:00

XS
SM
MD
LG