ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ኣብ ክልል ዓፋር ምስ ሓይልታት ምክልኻል'ታ ሃገር ከምዝተራእዩ ተሓቢሩ


ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ
ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ

ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ዓፋር ምስ ሓይልታት ምክልኻል'ታ ሃገር ተሓዊሶም ተራእዮም ክብል ንቴሊቪዥን ፋና ጠቂሱ ሮይተርስ ሓቢሩ ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲኖም ብቋንቋ ኣምሓርኛን ኦሮምኛን ኣብ ቴሌቪዥን ፋና ቀሪቦም ዘረባ ምስመዖም ዝሓበረ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ግን እቲ ቦታ ብርግጽ ኣበይ ምዃኑ ከረጋግጽ ከምዘይከአለ ይሕብር።

ቀ/ሚ ኣብይ “ ኣብቲ ማዕዶ ትርእይዎ ዘለኹም ጎቦ ስጋብ ትማሊ ኣብ ትሕቲ ፀላኢ እዩ ፀኒሑ ሐጂ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ቁፅፅርና ኣትዩ ኣሎ “ ኢሎም።ንሶም ብተወሳኺ “ስምዒት እቲ ሰራዊት ኣዝዩ ዘሐጉስ ምዃኑን” ኣብ መንጎ ትግራይን ዓፋርን ትርከብ ከተማ ጭፍራ ሎሚ ዓርቢ ከምዝቆፃፀርዋ ቃል ኣትዮም ።

“ፀላኢ መሊኡ ስጋብ ዘይተቐብረን ናፅነት ኢትዮጵያ ስጋብ ዝረጋገፅን ንድሕሪት ኣይንምለስን ህይወትና'ውን ክንከፍል ኢና “ ኢሎም ።

ቀዳማ ሚኒስትር ኣብይ ብሶኑይ ምሸት እዩ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝካየድ ዘሎ ኲናት ክመርሑ ናብ ግምባር ከምዝወፍሩ ዝሓበሩ ።

ተዋጋእቲ ክልል ትግራይ ድማ ንርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ንምቁፅፃር ወይ'ውን እታ ወደብ ዘይብላ ሃገር ምስ ዝዓበየ ወደብ እቲ ዞባ ዘራኽብ መንገዳ ንምቁራፅ ከምዝፍትኑ የፈራርሑ ኣለዉ ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንቐርኒ ኣፍሪካ ጄፍሪ ፈልትማን ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምእታው ብኣንፈት ደቡብ ዝገበርዎ ፈተነ ይቀንዖም ከምዘሎን ብኣንፈት ምብራቕ ዘሎ ኮሪደራት መጉዓዝያ ንምቁራፅ ብርክት ዝበለ ፈተነታት ይገብር ምህላዉ ተዛሪቦም ።

እቲ ዓመት ዝሓለፎ ጎንፂ ትግራይ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምስጋሩ ስዒቡ ብሓፈሻ 9.4 ሚልየን ህዝቢ ተጸባይ ሓገዝ መግቢ ኮይኑ ከምዝርከብ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብዓርቢ ወግዓዊ ጌሩ'ዩ ። እቲ ትካል ወሲኹ ካብዚኦም ልዕሊ 80 % ዝኾኑ ኣብ ድሕሪ እቲ ኲናት ዝካየደሉ ዘሎ ኸባቢ ዝርከቡ ምዃኖም ወሲኹ ሓቢሩ ።

XS
SM
MD
LG