ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ የካይዱዎ ዘለው ለውጢ ብቕልጣፈ ይኹን ብትሕዝቶ ዝድነቕ እዩ" ኣምባሳደር ኣሜሪካ


ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ የካይዱዎ ዘለው ለውጢ ብቕልጣፈ ይኹን ብትሕዝቶ ዝድነቕ እዩ ኢሎም ።ናይ ለውጢ ስጉምትታት ክዕወቱ ሃገሮም ብኣጋርነት ንምስራሕ ድልየት ከምዘለዋ ኣብ ኢትዮጵያ ወሃቢ ቃል ኤምባሲ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ስልጣን ኣብ ዝሓዝሉ ኣብ ሓፂር ኣዋርሕ ብርክት ዝበሉ ስጉምትታት ብምውሳዶም ኣብ ዝተፈላለዩ ደምበታት ዝተሰለፉ ኢትዮጵያዊን ከይተረፈ ኣወንታዊ ግብረ መልሲዝረኸቡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ መሓዙት ሃገራት እውን ናዕዳ ይረኽቡ ኣለው።

ኣሜሪካ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ የሰጉምዎ ንዘለው ኣጀንዳታት ለውጢ ደገፍን ኣድናቖትን እናገለፀት ትርከብ።

ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ጉዳያት ዴሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ብዝምልከት ትማሊ ኣብ ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተመኻኸራሉን መድረኽ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ማይክል ረይነር ናይ መጀመሪያ ንናይ 100 ማዕልታት ኣፈፃፅማ ስራሕ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ዘደንቕ፣ግልፅን ቀጥታውን መደረ ኣስሚዖም መንግስቲ እውን ሰብኣዊ መሰላት ከምዘኽብር ኣሳታፊ ዝኾነ ፖለቲካዊ ምህዳር ክፍጠር እውን ዘኽእል መሪሕነት ሂቦም ኢሎም።

ቪኦኤ ዘዘራረቦም ወሃቢ ቃል እቲ እምባሲ ኒኮልሳ ባርነት እውን ነዚ ደጊሞምዎ ኣለው።

"እቶም ኣምባሳደር ከምዝበሉዎ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ የካይዱዎ ዘለው ለውጢ ብቕልጣፈ ይኹን ብትሕዝቶ ተደኒቕና ኣለና።ሎሚ ኣብ ዴሞክራሲ፣ሰብኣዊ መሰላትን ሰናይ ምሕደራን ኣብ ዝተኻየደ ሓባራዊ መድረኽ ንትልምታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምርዳእን ብከመይ ከም እንድግፎም ንምፍላጥን ድልየት ነይሩና።"

ኢትዮጵያ ኣብ ስሉጥን ሓፈሻዊ ለውጥን ምዃና ኣምባሰደር ማይክል ረይነር ኣብ ናይ ትማሊ መደርኦም ገሊፆም።ኒኮላስ ባርነት ንገሊኦም ለውጥታት ከምዚ ክብሉ ይዝርዝሩ።

"ንኹሎም ምዝርዛር ግዜ ክወስድ እዩ።መንግስታዊ ኣዘራርባ ዘሎ ለውጢ፣ሰብኣዊ መሰል ንምኽባር፣ዝበለፀ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ንምፍጣር ብዛዕባ ሓድነት ምዝርራብን ኣብ መስርሕ ፖለቲካ ዝበለፀ ተሳትፊ ንክህልው ዝተውሃበ ትኹረትን ምጥቃስ ይክኣል።ምስ ኤርትራ ሰላም ንምምፃእ ዝተገብረ ፃዕሪ እውን ይሓውስ።"

እቶም ኣምባሳደር ዝተጀመሩ ስጉምትታት ለውጢ ንምዕዋት ፈተናታት ከጋጥሙ ከምዝኽእሉ ኣሜሪካ ትኣምን፤ሓገዝ መሻርኽቲ ሃገራት ዘድሊ እውን ኣብዚ እዩ ኢሎም ። ወሃቢ ቃል ኒኮላስ ባርነት ነዚ ከብርሁ ከለው።

"ዴሞክራሲ ከቢድ ፃዕሪ ይሓትት።ቅድሚ ሎሚ እውን ኣብ ኣደባባይ ዝተዛረብናሉ እዩ።እዚ ክዕወት ፃዕሪ ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ይሓትት።ኩሉ ነናይ ባዕሉ ታራ ክፃወት ኣለዎ።ብቀዳማይሚንስተር ኣብይን ምምዳሮምንን ዝተቐመጡ ናይ ለውጢ ስጉምትታት ዝተለጠጡ እንተኾኑ እውን ክዕወቱ ዝኽእሉ እዮም።ድልውነትን ፃዕርን ግን ይደልዩ።ዕላማ ናይዚ መድረኽ ድማ ነዚኦም ንምዕዋት ኣሜሪካ ብዛዕባ እትሕግዘሉ ንምዝርራብ እዩ ነይሩ።ኣዚዩ ግልፅን ሃናፅን ምይይጥ ገይርና ኣለና።"

እዚ ክልትኣዊ ምይይጥ ዝካየድ ዘሎ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ናብ ኣሜሪካ ክጉዓዙ ትፅቢት ኣብዝግበረሉ እዋን እዩ።

ዕላማ መገሻ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብ ኣሜሪካ ምስ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ንምዝርራብ ከምዝኾነ ቅድም ክብል ተገሊፁ’ሎ።

እብ እዋን መገሽኦም ምስ ሰበስልጣን ኣሜሪካ ክራኸቡ እንተኾይኖም ዝተሓተቱ እቶም ወሃቢ ቃል እቲ መደብ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ እየ ዝገድፎ፤ሰናይ ዕድል ክኣ ንምነየሎም ኢሎም።

XS
SM
MD
LG