ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ካብ ፓርላማ ንዝቐረበሎም ሕቶታት መሊሶም


ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኢትዮጵያ ሎሚ እትርከበሉ ዝለዓለፈ ፈተና ዝተመልኦ ኣብ መንጎ ሞትን ህይወትን እዩ ኢሎም።ንሶም ትማሊ ሶኑይ ንፓርላማ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ነዚ ኣፀጋሚ ፈተና ሓሊፍና ንኢትዮጵያ ክነቐፅላ ምዃና ከረጋግፀልኩም እየ ኢሎም።ፌደራል መንግስቲ ንተወልድቲ ትግራይ ዝኾኑ ሰበ ስልጣን ይደፍኦም ኣሎ ንዝብል ሕቶ ድማ ነጺጎምዎ ኣለው።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መሪሕነት ዘሎ ለውጢ መንግስትን እታ ሃገርን ኣብ ኣዚዩ ኣፀጋሚን ሓደገኛን ኩነታት ምዃኖም ሓቢሮም።ትካላት ብኽልተ እግሮም ደው ኢሎም ለውጢ ናይ ምቕፅል ስርሖም ክፍፅሙ ከቢድ ፍተና ገጢምዎም ኣሎ ኢሎም።

“መላእ ህዝብን ቤት ምኽሪን ክርድኡዎ ዘለዎም ሎሚ እንርከበሉ ደረጃ ህንፀት ትካላትን ሃገረ መንግስቲ ክቕፅል ዘኽእል መሓውር ብኽልተ እግሩ ደው ኣይበለን።ስርሑ ዝርዳእን ዝፍፅምን መሓውር ንምፍጣር ሕጂ ናይ ለውጢ ሓይልን መንግስትን ዝርከበሉ ደረጃ ናይ ሞትን ህይወትን፣ዝለዓለ ናይ መወዳእታ ፈተና ዝተመልኦ እዋን ምዃኑ ምርዳእ የድልይ።”

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ብምውሳኽ ፈቐዱኡ ዝርአዩ ዘለው ናይ ውዲትን ሸርሕን ፖለቲካ ከምኡ እውን ስርዓት ኣልቦነት ደው ንምባል ፈተና ኮይኑ’ሎ ኢሎም ። ይኹን ደአ እምበር ይመርሑዎ ዘለው ናይ ለውጢ ሓይሊ ብዘይጥርጥር ነታ ሃገር ከምዘቕጽላ ተዛሪቦም ኣለው።

“ነዚ ቤት ምኽሪ እዚ ከረጋግፆ ዝደልይ ኣብ ሓፂርን ማእኸላይን እዋን ነዚ ናይ ውዲት፣ናይ ተንኮል፣ናይ ሸርሒ፣ናይ ሽብር ፖለቲካ ስዒርና ንኢትዮጵያ ክነቐፅላ ምዃና ብምሉእ ልቢ ክገልፀልኩም ይኽእል እየ።”

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣጋጢሙ ነይሩ ካብ ዝበሉዎ ናይ ህልውና ፈተና ውዲት ኣል-ሸባብ ምዃኑ ገሊፆም።ኣል-ሸባብ ንኬንያን ኢትዮጵያን ከጥቅዕ ምድላው ገይሩ ሳላ ኣብ ሶማል ዝርከቡ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዘካየዱዎ ስርሒት ኣብ ኢትዮጵያ መጥቓዕቲ ከይተፈፅመ ተሪፉ ኢሎም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ኣባላት ብምምልማልን መርበብ ብምዝርጋሕ ንንመጻኢ መጥቓዕቲ ንምፍፃም ሰፊሕ ስራሕ ይስርሕ ኣሎ እውን ኢሎም።ኣል-ሸባብ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኢትዮጵያ ንምፍራስ እዋኑ ሎሚ እዩ ዝብሉ ናይ ወፃእን ውሽጥን ሓይልታት ጥፍኣት ዝለዓለ ፃዕሪ ክገብሩ ፀኒሖም ኣለው ኢሎም።ነዚ ንምምካት ሓይልታት ምክልኻልን ካልኦት ኣካላት ድሕነትን ዝለዓለ ስራሕ ምስርሖም ገሊፅም።

ብዛዕባ ኣብ ዪኒቨርሲቲ ደምቢደሎ ይምሃሩ ዝነበሩ ተማሃሮን ካልኦትን ዝተጨወዩን ሰባት ክገልፁ ከለው ጨውዩ ዝተባህለ ኣካል ሓላፍነት ኣይወሰደን፤እቲ መጭወይቲ ተፈፂሙዎ ዝብሃል ከባቢ ኣብ ዝተኻየደ ዳህሳስ እውን ዝተረኸበ ሰብ የለን ኢሎም።

“እቲ ጉዳይ ዝተሓላለኸ፣ከም ድልየትና ከይንዛረብ፣ከምድልየትና እንተተዛሪብና ህይወት ሰብ ኣብ ሓደጋ ከይነውድቕ ጥንቃቐ ኣድላይ ስለዝኾነ ምኽትል ቀዳማይ ሚንስትር፣ሚንስትር ሰላም፤ላዕለዎት ሰበስልጣን ትካላት ፀጥታ ዝሓቖፈ ኮሚቴ ሰፊሕ ስራሕ ክስርሕ ፀኒሑ’ሎ።ውፅኢቱ ንህዝቢ ወግዓዊ ከምዝገብሩ ተስፋ ኣለኒ።ዘረጋግፀልኩም ግን ብሰንኪ እቲ መጭወይቲ ዝሞተ ሰብ ምህላው ዋላ ሓደ መረጋገፂ ዘይረኸብና ምዃኑ እዩ። “

ዓብዪ ህዳሴ ብዝምልከት ይካየድ ብዛዕባ ዘሎ ልዝብ ክገልፁ ከለው ዝላዘብ ዘሎ ጉጅለ ናይ መወዳእታ ፊርማ ንምፍራም ሕቶ ኣቕሪቡሎም ብዝርዝር ንምርኣይ ፊርማ ክፀንሕ ብምእዛዞም ምስ ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት፣ናይ ባንኪ ዓለም ፕረዚደንትን ሚንስትርገንዘብ ኣሜሪካን ብሓባር ንውሕ ዝበለ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ ምክያዶም ሓቢሮም።ኢትዮጵያ ብመትከል ዲፕሎማስን ልዝብን ከም እትኣምን ከምዝገለፁሎም እውን ወሲኾም ሓቢሮም።

ሎምቕነ ተወለድቲ ክልል ትግራይ ኣባላት ኣመራርሓ ካብ ናይ ፌደራል መንግስትን ኣብያተ ፅሕፈት ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባን ናይ ምብራርን ምእግዳን ተግባር ብናትኩም ኣፍልጦ ይፍፀም ኣሎ ንዝብል ካብ ሓንቲ ኣባል ቤት ምኽሪ ንዝቐረበሎም ሕቶ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ነፂጎምዎ ኣለው።

ብመሰረት ሕጊ ምርጫ ሓደ ፓርቲ ምስ ካልኦት ፓርትታት ክሓብር ከሎ ንኩሉ ነገር ይወርስ እዩ፤ፕሮስፐርቲ ፓርቲ እውን ወራሲ ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያ ኮይኑ’ሎ ዝበዝሕ ድምፂ ዘለዎ ድማ ፕሮስፖርቲ ስለዝኾነ መንግስቲ እዩ ኢሎም።ኣብ ክልል ትግራይ ኣብዝሓ ድምፂ ዘለዎ ህወሓት ስለዝኾነ መንግስቲ እዩ፤ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ፌደራል መንግስትን ሕጋዊ ዝኾነ ምትእስሳርን ናይ ስራሕ ርክብን ክሕልው እዩ ኢሎም።

“ተወለድቲ ክልል ትግራይ ካብ ፌደራል መንግስቲ ይድፍኡ ኣለው ዝብል ምናልባሽ ሓንቲ ሚንስትር ካብ ስርሐን ተላዒለን ኣለዋ።ልዕሊ 10 ሚንስትር ድኤታታት ኣለው፤ዋላ ሓዲኦም ኣይተልዓሉን።ኣፈ ጉባኤ ፌደረሽን እውን ኣለዋ፤ኣይተተንከፋን።ካልኣይቲ ሚንስትር እውን ኣለዋ ኣይተተንከፋን።”

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ህዝቢ ክልል ትግራይ ከም ህዝቢ ዘግለለ መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ምፍጣር ኣይክኣልን ከምኡ ዝሓስብ እንተሃሊዩ እውን ጌጋ እዩ ኢሎም ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፌደራል መንግስቲ ናይ ምስታፍ ምሉእ ብቕዓትን መሰልን ኣለዎ፤እቲ ቀዳማይ ሚንስትር ናይ ባዕሉ ካብኔ ናይ ምጥያሽ ሕገመንግስታዊ ስልጣኑ ምዃኑ ምርዳእ ግን ኣድላይ እዩ ኢሎም።

ብዛዕባ ሃገራዊ ምርጫ 2012 ንዝቐረቡ ሕቶታት ክምልሱ ከለው ቦርድ ምርጫ ኣብ ዘቐመጦ ናይ ግዜ ሰሌዳ ይኹን ካልእ ሕቶ እንተሃሊዩዎ እቲ ቤት ምኽሪ ንቦርድ ምርጫ ስሒቡ ናይ ምሕታት ስልጣን ኣለዎ ክብሉ መሊሶም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ካብ ፓርላማ ንዝቐረበሎም ሕቶታት መሊሶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:35 0:00


XS
SM
MD
LG