ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ካብ አባላት ፓርላማ ዝቐረበሎም ሕቶታት መልስን መብርሂን ሂቦም


ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ካብ አባላት ፓርላማ ዝቐረበሎም ሕቶታት መልስን መብርሂን ሂቦም
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:29 0:00

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ካብ አባላት ፓርላማ ዝቐረበሎም ሕቶታት መልስን መብርሂን ሂቦም

ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ነቶም ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝተፈፀሙ ክልተ ቅትለታት ተሓታቲ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ምዃኑን ክገልፁ ከለዉ ብኣንፃሩ እቲ ግንባር ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዝወረደ ቅትለት ተሓታቲ ንመንግስቲ እዩ ይብል።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ዝገለፁ ትማሊ ኣብ ቤት ምኽሪ ካብ ወከልቲ ህዝቢ ዝቀ፟ረቡሎም ሕቶታት መልስን መብርህን ኣብ ዝሃቡሉ እዋን እዩ ።

ኣብቲ እዋን ምስ ህወሓት ንምዝታይ ፓርቲኦም ብዛዕባ ዝበፅሓሉ መደምደምታ ተሓቲቶም መልሲ ሂቦምሉ ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ትማሊ ሓሙስ ንኣባላት ቤት ምኽሪ ኣብ ዝገበርዎ መደረ ኣብ ቀረባ አብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ ዝተፈፀሙ ክልተ መጥቃዕትታት “እኩይ ሓይልታት" ዝፈፀምዎ “ኢሰብኣዊ ዓመፅ" ክብሉ ብምኹናን ጀሚሮምዎ ።

እዚ ዋዕላ ቤትምኽሪ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ወከልቲ ህዝቢ ነቶም ግዳያት ናይ ሕልና ፀሎት ብምክያድ ነቲ ተግባር ዘፃሪ ኮሚቴ ድሕሪ ምጥያሱንን ዝሰዓበ እዩ ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ዳርጋ ኩሉ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ዝነበሮም ፃንሒት ኣብዚ ጉዳይ ዝጠመተ እዩ ነይሩ ።

ኣባላት ቤት ምኽሪ'ውን እቲ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ሰባት ዝወርድ ዘሎ ኢሰብኣዊ ቅትለታትን ብመዳይ መንግስቲ ዝውሰዱ ዘለዉ ስጉምትታትን ዝምልከቱ ዘልዓልዎም ሓያሎ ሕቶታት መልሲ ክወሃቦም ተገይሩ እዩ ።

"ኣብ ኢትዮጵያ ንዝፍፀሙ ቅትለታት ሓደ ሓደ ከምዝብልዎ ካብ ዘይምግዳስ ፣ መንግስቲ ሓላፍነቱ ስለዘይዋፃእ ተገይሩ ክውሰድ የብሉን ። መንግስቲ ህይወት ዜጋታቱ ንምሕላው 24 ሰዓት ዘይተሓለለ ፃዕሪ የካይድ'ሎ። በዚ ድማ ህይወት ብዙሓት ዜጋታት ከትርፍ ክኢሉ እዩ።ብርግፅ ዘይበፃሕናሎም ዝሰኣናዮም ዜጋታት ከምዘለዉ ርዱእ እዩ ። ይኹንምበር ኣብ ዝተፈጥረ ነፍሲ ወከፍ ፀገም መዓልታዊ ህይወቶም ዝህቡ ሓይልታት ፀጥታን ወታሃደራትን ሓይልታት ፖሊስን እውን ከምዘለዉ ክትርድኡ ይግባእ። እዞም ደቅኹም ህይወቶም ዝህቡ ዘለዉ ዓዶምን ህዝቦምን ስለዝፈትዉ እዮም ።መንግስቲ ሰላም ህዝቡ ከስፍን ግድን እዩ ኢልኩም ልክዕ ኢኹም ህዝቢ'ውን ግን ዝመረፅ መንግስቲ ዝህቦ ፍታሕን ክርዳእን ክሕግዝን ይግባእ።"

ነቶም ኣብ ቀረባ ዝተፈፀሙ ጅምላዊ ቅትለታት ተሓታታይ “ኦነግ ሸኔ “ እናበሉ ዝፅውዕዎ ጉጅለ ምዃኑን ምምሕዳሮም ድማ ኣብ ልዕሊኡ ስጉምቲ ይወስድ ከምዘሎ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር እንተገለፁ'ውን ንርእሱ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ እናበለ ዝፅውዕ ጉጅለ ግና ነቲ ክሲ ብተደጋጋሚ ክነፅጎ እዩ ዝስማዕ ። ብኣንፃሩ ንሓይልታት መንግስቲ ተሓተቲ ይገብር ።

ዓለምለኸ ውሃቢ ቃ፟ል “ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ" እናበለ ንባዕሉ ናይ ዝፅውዕ ጉጅለ ምዃኖም ዝዛረቡ ኦዳ ታርቢ ኣብ ወረዳ ቄለም ወለጋ ዝተፈፀመ ጅምላዊ ቅትለት መንግስቲ ዘዕጠቆም ምልሻ ከምዝፈፀምዎን መንግስቲ ናብቲ ኸባቢ ዝለኣኾም ሰራዊት'ውን እንተኾኑ እቲ ቅትለት ንኸይፍፀም ዝገበርዎ ፃዕሪ የለን ክብሉ ኣብ ናይ ትዊተር ገፆም ጽሒፎም ኔሮም ።

ንሶም ከምዚ እንተበሉ'ውን ድምፂ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም መሰኻኽር ዓይኒ ግና “ሸኔ” እናበሉ ዝገለፅዎ ጉጅለ ከምዝፈፀሞ ገሊፆምሉ እዮም።

ከምኡ'ውን ካብ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ብዝረኸብዎ ሓበሬታ መሰረት ፈፃሚ እዚ ተግባር ንባዕሉ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ እናበለ ዝፅውዕ ዕጡቃ፟ት 'ሸኔ' ምዃኖም ንድምፂ ኣሜሪካ ዝተዛረቡ ኮምሽነር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶ/ር ዳንኤል በቀለ እቲ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ቄለም ወለጋን ዝፍፀም ዘሎ ብሄር መሰረት ዝገበረ ቅትለት መንግስቲ ብቅ፟ልጡፍ ቁፅሪ ሓይልታት ፀጥታ ኣብቲ ኸባቢ ክውስኽ ፃውዒት ምቅ፟ራቦም ዝዝከር እዩ። ከምኡ'ውን ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ፣ ዘይወገናዊ ዓሚቅ፟ መርመራ ከካይዱ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘተሓሳሰበ ኮይኑ፤ ገለ ተቃ፟ወምቲ ፓርትታት ፖለቲካ'ውን ዘይሻራዊ መርመራ ክግበር ሓቲቶም እዮም ።

ኣብቲ ናይ ትማሊ ውዕሎ ቤት ምኽሪ እውን ካብ ኣባላት ወከልቲ ህዝቢ ዝተልዓሉ ተወሰኽቲ ሕቶታት እቲ ኣብ ልዕሊ ዝፁሃን ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ተሳተፍቲ ዝኾኑ ኣብ መሓውር መንግስቲ ዝርከቡ ውልቀሰባት ከምዝርከብዎ ዝሕብር እዩ ነይሩ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ነዚ ዝስዕብ መልሲ ሂቦም: "ብመዳይ ፀላእትና ዝስርሑ ስራሕቲ ኣለዉ ሓደ ሓደ ሰባት ካብቲ መሓውር ይዕድጉ ፤ እዚ ሰብ ሓቢሩዎም ይሰርሕ ፣ የበላሹ ። ኣብ ዝሓለፈ ዘቅ፟ረብኩዎ ሪፖርት ከምዝገለፅኩዎ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ካብ 5000 ዘይነኣሰ ሰብ መርሚርና ኣፅሪና ገሊኡ ተኣሲሩ ገሊኡ ካብ ስልጣኑ ክቅ፟ነስ ተገይሩ። ካብዚ ወፃኢ ግን ብፕሮፖጋንዳ ዝውሰድ ስጉምቲ የለን ። ካባኹም ዝሐሸ ሓበሬታ ስለዘለና።"

እዞም ዝፍፀሙ ዘለዉ ቅትለታት ሃገር ንምፍራስ ዝተዋሃቦም ልእኽቶ ሒዞም ኣካል ተግባር ሽብር ዝፈፁሙ ዘለዉ ምዃኖም ዝገለፁ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ መንግስቲ'ውን ነዚ ብምርዳእ መሓዉር ፀጥትኡ ብዝለዓለ ደረጃ የዳልው ከምዘሎ ተዛሪቦም ።

ኣብቲ ብሰኑይ ዝተፈፀመ ጅምላዊ ቅትለት ቁፅሪ መወቲ ንምፍላጥ ዝግበር ፃዕሪ ኣገልግሎት ስልኪ እቲ ኸባቢ ብምቁራፁ ኣፀጋሚ ከምዝገበሮን ሕቶታትን ቅሬታታትን ሰባት ክውስኽ ይገብሮ ከምዘሎ እዩ ፀብፃባት ዘመልክቱ ።

ካልእ ብመልክዕ ሕቶ ዝቀ፟ረበ ሓሳብ ፓርቲ ብልፅግና ምስ ህወሓት ንምዝታይ ብዛዕባ ዝተበፅሐ ውሳነ ዝምልከት ነበረ።

"ፈለማ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝብን ኩልግዘ ብሙሉእ ድምፂ ንሰላምን ውግእን እንውስኖ ውሳነ ንሃገራዊ ጥቅ፟ምና ዝምልከት ክኸውን ከሎ እዩ። ናይ ብልፅግና ፓርቲ ዝብል ዘሎእኮ ሰላም ነስፍን እዩ። ሰብ ንቅ፟ተል ኣይበለን ። ንምንታይ ኢና ንፀልኦ። ካልእ እዚ ክቡር ቤት ምኽሪ ክፈልጦ ዝግባእ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝመርሖ ዘሎ ፓርቲ ብልፅግና እዩ።"

ብመዳይ ብልፅግና ዝተበፅሐ ናይ ምዝታይ ውሳነ ብኣወንታዊ መልክዑ ከምዝከታተሎ ዝገለፀ ህወሓት ቅድመ ኩነት ብምቅ፟፟ማጥ ንምዝታይ ድሉው ምዃኑ ምግላፁ ዝዝከር እዩ።

ሻድሻይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቀዳማይ ዓመት ዘመን ስራሕ መበል 16 ስሩዕ ጉባኤኡ ዓመታዊ በጀት 2015ን 786.6 ቢልየን ብር ክኸውን ንዝቀ፟ረበሉ መደብ ብዓብላሊ ድምፂ ድሕሪ ምፅዳቅ፟ ናይ መወዳእታ እዚ ዓመት ጉባኤኡ ዛዚሙ።

XS
SM
MD
LG