ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ጉዳይ ክልል ትግራይ ምስ ናይ ሱዳን መዘንኡ ብስልኪ ምዝርራቡ ተገሊጹ


ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ብዛዕባ`ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ምስ ናይ ሱዳን ቀ/ሚ ዓበደላ ሓምዶክ ብስልኪ ከም ዝተዘራረበ ኣገልግሎት ዜና ፋና ሓቢሩ።

ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ እዋን፥ ብዛዕባ`ቲ ዝተፈጸመ ተግባራትን ሰላም ንምምጻእ ዝካየድ ዘሎ ስራሕን ንናይ ሱዳን መዘንኡ ከምዝሓበሮ ተጠቒሱ`ሎ።

ቀዳማይ ሚንስተር ሱዳን ዓበደላ ሓምዶክ ብወገኑ፡ ሃገሩ ኣብታ ሓፍቲ ዝኾነት ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ኩነታት ብቀረባ ከምዝከታተሎን ንሱዳንን ነቲ ዞባን`ውን ከምዘገድስ ምግላጹ ንኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሱና ዝጠቐሰ ፋና ሓቢሩ`ሎ።

ክልቲኦም መራሕቲ ብመሰረት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ጽኑዕ ምሕዝነት ብቐጻሊ ርኽበን ክቅጽላ ምስምምዐን ሱና ጠቒሱ`ሎ።

XS
SM
MD
LG