ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣውሮጳን ክሳተፉ'ዮም


ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ
ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣውሮጳን ንምስታፍ ሎሚ ሰሉስ ብራስልስ ምእታዎም ተሓቢሩ።


ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ካብ ዝጅምር ፈላማይ ምብጻሕ ናብ ምዕራብ ኣውሮጳ ዘካይዱ ዘለው ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንትቤት ምኽሪ ኣውሮጳ ቻርልስ ሚቸል ተራኺቦም ምዝርራቦም ቤት ጽሕፈቶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ዘውጽኦ ሓበሬታ ክፍለጥ ተኻኢሉ'ሎ።

ቀ/ሚ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ "ኣብቲ ናይ ሕብረት ኣውሮጳን ሕብረት ኣፍሪቃን ጉባኤ ንምስታፍ ኣብ ዝርከበሉ ምስ ናይ ቀደም ፈታውየይ ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ኣውሮጳ ቻርልስ ሚሸል ብምርኻብ ኣብ ክልቲኣዊ ርክብ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮጳን ከምኡ'ውን ኣብ ካልኦት ዞባዊን ኣህጉራዊን ጉዳያት ተዘራሪብና ኣለና" ኢሎም።ፋይል

XS
SM
MD
LG