ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ዓፋር ዑደት አካይዶም


ኣብ ክልል ዓፋር ዑደት ዘካይዱ ዘለው ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ናይ ወፃኢ ለገስቲ ሃገራት ተፅዕኖ ምውፃእ ዝክኣል ሃገራዊ ሓድነት ክሕይልን ናይ ስራሕ ባህሊ ክዓብን ከሎ እዩ ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም ኢትዮጵያ ይትረፍስ ንህዝባ ንካልኦት ዝተርፍ ተፈጥሮኣዊ ፀጋ ዘለዋ ሃገር እንተኾነት እውን ብሓባር ሰሪሕና ብሓባር ክንብልፅግ ኣይከአልናን ኢሎም።

“እንተደሊና ክንህብ ኢና፤እንተደሊና ኸአ ክንኸልአኩም ኢና እናበሉ ካብ ዘፈራርሑና ሓይልታት ነፃ ዘውፅአና ተሓባቢርና ወፅኢት ክነምፅእ ከለና እዩ።እንተኽኢልካ ኩሉ ይሕግዘካ፤ውፅኢታዊ እንተድኣ ኮይንኻ ኩሉ ይሕግዘካ።ከምዘይትኽእል ክሓስቡ ከለው ግን ብውሑድ ሳናቲም ከታልለካ ይደሊ።ስለዝኾነ ካብዚ ነፃ ንምኳንን ብምሉእ ዓቕሚ ብኽልተ እግርና ደው ኢልና ክንሰርሕ ክንኽእልን ፃዕርን ሕብረትን የድልየና እዩ ።”

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ቀጺሎም ኢትዮጵያዊያን ንኢትዮጵያ ብዝግባእ ክፈልጡዋ ኣለዎም ኢሎም።

ኣብ ወረዳ ዱብቲ ዝርከብን ካብ ወፃኢ ዝኣትው ስርናይ ብናይ ውሽጢ ሃገር ምህርቲ ንምትካእ ብመንግስቲ ንዝተጀመረ ፕሮጀክት እውን ተዓዚቦም ኣለው።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ሓምለዋይ ዓሻራ ከቐምጡ ከለው ከምዝተዛረቡዎ ትማሊ ብዝተመዝገበ ዓወት ከይተዘናጋዕና ተወሳኺ ዓወት ንምሕፋስ ተኽሊ ምትካልን ምሕብሓብን ቐዳምነት ዝወሃቦ ተግባርና ክኸውን ኣለዎ ኢሎም ።

XS
SM
MD
LG