ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ካቢነኦም ሓድሽ መዝነትን ምደባ ስራሕን አካይዶም


ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ካብኔኦም ሓዱሽ መዝነትንን ናይ ስራሕ ምደባን ገይሮም። ዶክተር ቀንኣ ያዴታ ሚንስትር ምክልኻል ብምዃን ተሸይሞም ኣለው።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ካብ ዝሸሙዎን11 ሰባት ናይ ኣዲስ ኣበባ ምኽትል ከንቲባ ዝነበሩ ኣቶ ታከለ ኡማ ሚንስትር ሚንስትሪ ማዕድንን ነዳድን ኮይኖም ኣለው።ኣብ ክንድኦም ናይ ፌደራል ጠቕላሊ ዓቃቢት ሕጊ ዝነበራ ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤ ናይ ኣዲስ ኣበባ ምኽትል ከንቲባ ኮይነን ተሸይመን ኣለዋ።

ምኽትል ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ዶክተር ጌድዮን ጢሞትዮስ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ብምዃን ተሸይሞም ኣለው።

ሓላፊ ፕረስ ሰክሬታሪያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትርዝነበሩ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ኮሚሽን ኮሚሽነር ፈጠራ ዕድል ስራሕ ብምዃን ተሸይሞም ኣለው።

XS
SM
MD
LG