ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮም ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ዛዚሞም ናብ ሃገሮም ተመሊሶም


ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ዘካየደ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ: ሕርሻዊ ልምዓት ዞባታት ደቡብን ጋሽ ባርካን ድሕሪ ምዕዛብን ፥ ማእከል ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ሳዋ ድሕሪ ምብጻሕን ናብ ሃገሩ ትማሊ ሰንበት ተመሊሱ`ሎ።

ትማሊ ሰንበት ብቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኻት ኣብ ዞባጋሽ ባርካ ዝርከበ ዲጋ ከርከበት ድሕሪ ምብጻሕ`ዩ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሳዋ ኣብ ዝነበሮ ናይ ዕረፍቲ ጊዜ`ዩ ኣብ ስልጠና ንዝነበሩ መበል 33 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሳዋ ክዕዘብ ክኢሉ።

ቀዳማይ ሚስንተር ኣቢይ ኣብቲ ናይ ኤርትራ ዑደቱ፥ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ክልቲኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ሰፊሕ ምይይጥ ምክያዶም መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ሓቢራ`ላ።

ኣብቲ ርኽብ ክልቲኦም መራሕቲ ድሕሪ'ቲ ኣብ ሓምለ 2018 ዝተፈረመ ኣዋጅ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ዝተመዝገበ ምዕባለታትን ዘጋጠሙ ዕንቅፋታትን ብዝምልከት ተዘራሪቦም።

ብተወሳኺ ክልቲኦም መራሕቲ ነቲ ዝዕወት ዘሎ ኹሉ ወገናዊ ዝኾነ ምትሕብባር ክልቲኦም ሃገራትን ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ዘለዎም ምትሕብባር ንምቅጻል ተሰማሚዖም።

እቲ ብቀዳማይ ሚንስትር ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኻት ብቐዳም ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ዞባ ደቡብ ዝርከብ ናይ ሕርሻን ትሕተ ቅርጺ ፕሮጀክታትን `ውን ተዓዚቡ ኔሩ`ዩ ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብ ክልቲኣውን ዞባውን ጉዳያት ምምይያጦም ዝገለጸ ናይ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ዜና ፋና ብወገኑ፥ ቀ/ሚ ኣቢይ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ድሕሪ ምዝዛሙ ናብ ሃገሩ ምምላሱ ኣረጋጊጹ`ሎ።

XS
SM
MD
LG