ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መንጎ ወታሃደራዊ መራሕቲ ሱዳንን ተቓወምቲ ልዝብ ንምክያድ ካርቱም ኣትዮም


ቀ/ሚ ኣብይ ኣብ መንጎ ወታሃደራዊ መሪሕነት ሱዳንን ተቓወምቲን ንዝተፈጥረ ውጥረት ንምህዳእ ሎሚ ዓርቢ ካርቱም ኣትዮም ኣለው።

ቀ/ሚ ኣብይ ምስ መራሕቲ መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪን ተቓወምቲን ተራኺቦም ከምዝዘራረቡ ተገሊጹ’ሎ።

እዚ ተበግሶ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ድሕሪ ምውዳቕ ፕረዚደንት ኣል በሽር ዘጋጠመ ዝኸፍአ ደም ምፍሳስ ዝተባህለ ግጭት ስዒቡ’ዩ።

ተቓወምቲ ኣብቲ ብሶኑይ ዘጋጠመ ግጭት 113 ሰባት ምሟቶም ክገልጹ ከለው መንግስቲ ግን ቁጽሪ ዝሞቱ 61 ምዃኑ ይገልጽ ኣሎ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገኑ ኣብ ሱዳን ሲቪላዊ ምምሕዳር ክሳብ ዝምስረት ሱዳን ካብ ኣባልነት’ቲ ሕብረት አጊዱ’ሎ።

ክልቲኦም ወገናት ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምምስራት ዘተ ከካይዱ ዝጸንሑ ኮይኖም እቲ ብሶኑይ ዘጋጠመ ግጭት ግን ልዝብ ደው ክብል ምግዳዱ ይፍለጥ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሱዳን ዘካየድዎ ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዛዚሞም ኣብ ዝምለስሉ ዝነበረ እዋን 78 ኣብ ማእሰርቲ ዝነበሩ ኢትዮጵያዊያን ብምፍታሕ ናብ ሃገሮም ሒዞም ምኻዶም ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG