ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንፓርላማ'ታ ሃገር መግለጺ ሂቦም


ሰራዊት ምክልካል ኢትዮጵያ ካብ ክልል ትግራይ ዝወጸ ብኣርባዕተ ግንባራት ተኸፊሉ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ብዝወሰደ መስርሕ ምዃኑ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጡ።

ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ግጭት ብዙሕ ምትእትታው ዘለዎ`ዩ ዝበለ ዶ/ር ኣቢይ፡ እቲ ግጭት ደው ክብል ዘይደልዩ ከምዘለዉን እቲ ዕላማ ድማ ንትግራይ ወሲኽካ ንኢትዮጵያ ንምድኻም` ምዃኑን ሎሚ ንፓርላማ ሃገሩ ገሊጹ።

ሰበ-ስልጣን ህወሓት ብተደጋጋሚ ኣብ ዝህብዎም መግለጽታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መቐለን ካልኦትን ዝወጸ ተሳዒሩ`ዩ ዝብሉ`ኳ እንተኾኑ: መንግስቲ መጽናዕቲ ኣካይዱ ብዘሕለፎ ውሳነ መሰረት ሰራዊቱ ምውጽኡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ሎሚ ንፓርላማ ተዛሪቡ`ሎ። ብዛዕባ`ዚ ካብ ክልል ትግራይ ምላሽ ምስ ረኸብና ክነቕርብ ኢና።

ብኻልእ ወገን ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ፓርላማ ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ እቲ ዝተገብረ ሃገራዊ ምርጫ ህዝበ-ውሳነ`ዩ ክብል ገሊጽዎ ። ። ንዝመጽእ ዓመት ኢትዮጵያ፡ 561.67 ቢልየን ብር ባጀት ኣጽዲቑ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንፓርላማ'ታ ሃገር መግለጺ ሂቦም
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:42 0:00


XS
SM
MD
LG