ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንፋብሪካ ባኒ ሸገር መሪቖም ከፊቶም


ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መዓልቲ ክልተ ሚሊዮን ባኒ ከፍርይ ዝኽእል ፋብሪካ ሎሚ ሓሙስ መሪቖም ከፊቶም።

ብቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ አጋጣሚ እቲ ፋብሪካ ባኒ ጥራሕ ዘፍርይ ዘይኮነስ ብውሕስነት መግቢ ንርእስና ንምኽኣል መንገዲ ዝሕብር እዩ ኢሎም ኣለው።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሃነፀ ሸገር ፋብሪካ ባኒ ኣብታ ዋና ከተማን ከባቢኡን ዋጋ ባኒ ካብቲ ዘሎ ብፍርቂ ክንኪ ዝገብር እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ብ900 ሚልዮን ብር ወፃኢ ዝተሃንተፀ ሸገር ፋብሪካ ባኒ ወፃኢኡ ብኣሓት ትካላት ሜድሮክ ዝተሸፈነ ኮይኑ እቲ ህንፀት ብሜድሮክ ከምዝተሰርሐ ተፈሊጡ’ሎ ።

XS
SM
MD
LG