ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ኣስመራ ኣትዩ


ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ሎሚ ሓሙስ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ኣስመራ ምእታው ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ገሊጾም::



ቀ/ሚ ኣብይ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝኣተውሉ ፕረዚደንት ኢሳያስ ከምዝተቐበልዎም'ውን ተሓቢሩ'ሎ::

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ርክቦም ኣብ ክልቲኣዊ ጉዳያትን ዞባዊ ምዕባለታት ምዝታዮም ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ወሲኾም ሓቢሮም::

እቲ ብቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ልኡኽ ሚኒስትር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዶ/ር ቀንአ ያደታን ሚኒስትር ቴክኖሎጂን ምህዞን ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ዝሓዘ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ::

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG