ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንሽምግልና ምንጻጎም ኣብ ዲፕሎማሲ ዓለም ሻቅሎት ፈጢሩ 


ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ መሻርኽቲ ኣሜሪካ ኣብ ዝኾነት ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዝቀተለን ልዕሊ 40 ሽሕ ንክስደዱ ጠንቂ ዝኾነን ኹናት ንከብቅዕ ንዝቀረበ ጻውዒት፣ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ኣሕመድ ነጺጎምዎ።

ብሰንኪ ውሳነ’ቶም ቀ/ሚ፣ ካብ አዲስ አበባ ክሳብ ዋሽንግተን ንዘለው ዲፕሎማታት፣ እቲ ውግእ ክሕይል እዩ ዝብል ሻቅሎት ኣስዒቡሎም ኣሎ።

ምስ ኤርትራ ዓመታት ንዝጸንሐ ግጭት ንከብቅዕ ሓጊዞም ተባሂሎም ሽልማት ኖቤል ሰላም ዝተቀበሉ ቀ/ሚ ኣብ ኣሕመድ፣ ሎሚ ረቡዕ ዝፈነውዎ መግለጺ፣ ‘ከም ሉኣላዊት ሃገር፣ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ግዝኣታ ሕጊ ናይ ምኽባር ሙሉእ መሰል ኣለዋ’ ኢሎም። 'ሰራዊት ህወሓት' ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ፌደራል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍናዎም ዝጀመረ ውግእ 3ይ ሰሙን ኣቁጺሩ ኣሎ።

ኣብ ሞንጎ ፌደራላዊ መንግስቲን ዝዓጠቁ መራሕቲ ትግራይን ንሰለስተ ሰሙን ዝቀጸለ ውግእ፣ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለው ዲፕሎማታት ሻቅሎት ከምዝፈጠረሎምን፣ እቶም ቀ/ሚ ነቲ ግጭት ብልዝብ ንክፈትሕዎ ብሓደ ድምጺ ይጽውዑ ኣለው።

ሰበ ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፣ ኣብ ስልጣን ዘለውን ንዝመጽእ ምምሕዳር ጆ ባይደን ዝተሓረዩን ብሓባር ንልዝብ ይጽውዑ።

ፕረዚደንታዊ ኣማኻሪ ጸጥታ ኣሜሪካ ንክኾኑ ዝተመዘዙ ጃክ ሱሊቫን ‘ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ክፍጸም ዝኽእል ጥቅዓት ዓሚቅ ሻቅሎት ፈጢሩለይ ኣሎ፣ ኣብ መቀለን ከባቢኣን ዝካየድ ውግእ፣ ገበን ኩናት ዝኾነሉ ዕድል ኣሎ’ ኢሉ ኣሎ።

ሱሊቫን ወሲኹ ‘ክልቲኦም ሓይልታት ኣብቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ክምውሎ ኣቅሪብዎ ዘሎ መኣዲ ልዝብ ብህጹጽ ንክሳተፉ’ ጸዊዑ።

XS
SM
MD
LG