ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንምርጫ ብዝምልከት ምስ ተቓወምቲ ፓርቲታት ክዝትዩ'ዮም


ምስ መራሕቲ ተቓወምቲ ፓርትታት ዝቕፅል ሰሉስ ከምዝራኸቡ ትፅቢት ዝገበርሎም ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2012 ዓ.ም ዝካየድ ምርጫ ነፃን ፍትሓውን ክኸውን ከምዝዘራረቡ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ገሊፁ።

ኣብቲ ልዝብ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝንቀሳቐሱን ካብ ወፃኢ ሃገር ዝተመልሱን ፓርትታት ክሳተፉ ተፀዊዖም ኣለው።

እቲ ርክብ ቀ/ሚን ተቓወምቲ ፓርቲታትን ናይ 2012 ዓ.ም ምርጫ ኣብ ዝተመደበሉ እዋን ክካየድ ንምውሳን ነፃን ገለልተኛን ኣካላት ምስ ምፍጣር ከምዝተኣሳሰር መራሕቲ ተቓወምቲ ተዛሪቦም ኣለው ።

ርእይቶታት ንምርኣይ (1)

እዚ መድረኽ'ዚ ተዓፅዩ'ሎ
XS
SM
MD
LG