ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ናይ ኤርትራ ዑደቶም ኣብ መንጎ እዘን ሃገራት ዝተጀመረ ርክብ ንምትግባር’ዩ ኢሎም


ፋይል
ፋይል

ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ አብይ ኣሕመድ ድሕሪ ናይ ቻይናን ኤርትራን ዑደቶም ሎሚ ናብ አዲስ ኣበባ ተመሊሶም ኣለው።

ብዛዕባ ዑደቶም ኣመልኪቶም ድማ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ አዲስ ኣበባ ንጋዜጠኛታት መግለጺ ሂቦም።

ንሶም ናይ ቻይና ዑደቶም ኣብ ፎረም ቻይና ኣፍሪቃ ከም ኣህጉርን ሃገርን ዝደልይዎን ትጽቢት ዝግበረሎም ነገራት ተዘራሪቦም ሓደ ሓባራዊ ተግባራዊ ውጥን ንምድላው ምዃኑን እቲ ካልኣይ ኸአ ቻይና መራሕቲ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ዑደት ከካይዱ ብምዕዳማ ምኳኑ ገሊጾም።

ቀ/ሚ ኣብይ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮም ዑደት ብዝምልከት ሓደ ኣብ መንጎ ኤርትራ ኢትዮጵያን ዝተጀመረ መስርሕ ሰላምን ምትሕብባርን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሶማልን ዘሎ ርክብ ድማ ናብ ክብ ዝበለ ብርኺ ንምዕራግ ከምኡ’ውን ንሰላምን ልምዓትን ምትሕብባራን ንምሕያል ምዃኑ ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG