ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ናይዚ ዓመት’ዚ ናይ ዩኒስኮ ሽልማት ሰላም ተዓዋቲ ኮይኖም


ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብዘካየድዎ ኣበርክቶ ሰላም ናይዚ ዓመት ናይ ዩኒስኮ ናይ ሰላም ሽልማት ተዓዊቶም።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ተዓዋቲ ሽልማት ሰላም ምዃኖም ወግዓዊ ዝገበራ ዋና ዳይረክተር ዩኒስኮ ኦድሬ ኦዝሌ መበል 26 ናይ ዓለም ናይ ፕረስ ነፃነት ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝዝኸረሉ ዘሎ መደረኽ እዩ።

ናይ ክብሪ ጋሻ ዝኾና ናይ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ብወገነን ከምዚ ክብላ መልሲ ሂበን።

“መደረይ ንምጅማር ዝደልይ ንዩኔስኮን ናይ ዩኒስኮ ናይ ሰላም ሽልማት ዝውስኑ ክቡራት ዳያኑ ናይ ሎሚ ናይ ዩኒስኮ ሽልማት ሰላም ንቀዳማይ ሚንስትርናና ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ንምሽላም ምውሳኖም ብምምስጋን እዩ።”

ናይ ዩኒስኮ ሽልማት ሰላም ዝውሃቦም ዓለምለኸ ግጭታትን ብዕርቂ ብምፍታሕ ዝፍለጡ ውልቀሰባት እዮም።ቅድሚ ሎሚ ተሸለምቲ ካብ መንጎ ዝነበሩ ናይ ፈረንሳይ ፕረዚደንት ፍራንሱዋ ኣሎንን ኔልሰን ማንዴላን ይርከቡዎም ።

XS
SM
MD
LG