No media source currently available
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ካብ ክልል ኦሮምያ ምዕራብ ጉጂ ዞን ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ብጌድኦ ዞን ገደብ ወረዳ ጎቲት ቀበሌ ኣብ መዕቆቢ መዓስከር ዝርከቡ ተመዛበልቲ ንዝሓለፈ ሸሞንተ ኣዋርሕ ናይ መግቢ ኮነ ካልእ ሓገዝ ብዘይምርካቦም ንጥምየትን ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ምቕልዖም ይገልጹ። ብሰንኪ’ዚ ዝሞቱ ህጻናት ከምዘለው እቶም ተመዛበልቲ ይሕብሩ።