ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ሽልማት ኖብል ሰላም 2019 ተቐቢሎም


ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ናይ 2019 ሽልማት ኖብል ሰላም ሎሚ ሶሉስ ኣብ ከተማ ኦስሎ ኖርወይ ተቐቢሎም።ቀንዲ ምኽንያት እቲ ሽልማት ምስ ኤርትራ ብዝተፈጥረ ሰላም ምኻኑ ኣብቲ አጋጣሚ ተገሊጹ።ህይወት ኣስታት 70 ሽሕ ሰብ ዘጥፍአ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዓ.ም ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተኻየደ ኲናት ስዒቡ ዝተፈጥረ ደውታ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስመጹ ሓያል ዓለምለኸ ናእዳ ዘርከበ ስምምዕ ሰላም ምፍራሞም ይዝከር።

ብዙሓት ተዓዘብቲ እቲ ስምምዕ ብፅኑዕ ምሕደራ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንዓመታት ትመሓደር ኣብዘላ ኤርትራ ፖለቲካዊ ለውጢ ክምፅእ እዩ ዝብል ተስፋ ገይሮም ነይሮም።

ተንተንትን ኣክቲቪስትን ግን እቲ ስምምዕ መንግስቲ ኤርትራ ንዜጋታቱ ካብ ምጭቋን ደው ዘብል እንተኾይኑ ጥርጣርኦም ይውስኽ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ነቲ ሽልማት ምስተቐበሉ ኣብዘስምዕዎ መደረ ከምዚ ኢሎም።

“ብሽም ኢትዮጵያዊያንን ኤርትራዊያንን እየ ነዚ ሽልማት ዝቕበል ዘለኹ።ብተመሳሳሊ ነቲ ሽልማት ዝቕበል ዘለኹ ብሽመይን ብሽም ናይ ሰላም መሻርኽተይን ብፃየይን ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን እዩ።ሰናይ ፈቓደሞን እምነቶምን ስለዝኾነ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዝነበረ ደውታ ከብቅዕ ኪኢሉ’ዩ።”

ፖለቲካዊ ተንታኒ ጎይትኦም ገብረልኡልን ገለ ምዕባለታት ኣለው ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክመፅእ ትፅቢት ጌረሙሉ ዝነበሩ ፖለቲካዊ ለውጢ ፈሺሉ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዶብ ኣይተሓንፀፀን በዚ ምኽንያት ድማ እቲ መስርሕ ሰላም ጎደሎ እዩ ኢሉ’ሎ።

‘ይኣክል’ ኣብ ዝብል ናይ ኤርትራዊያን ዳያስፖራ ትንቀሳቐስ ኣክቲቪስት ቬኒሳ ፀሃየ እውን ስምምዕ ሰላም ካብ ዝፍረም ልዕሊ ሓደ ዓመት እንተገበረ እውን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንዝነብሩ ተራ ኤርትራዊያን ግን ዝተለወጠ ነገር የለን ኢላ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ሽልማት ኖብል ሰላም 2019 ተቐቢሎም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:58 0:00


XS
SM
MD
LG