ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ይዋግኡ ከምዘየለው ገሊጾምለይ' ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃገራት



“ሰላም ኢትዮጵያ፣ ንምዕባለ ህዝባን እቲ ዞባን ኣዝዩ ኣገዳሲ ከምዝኾነ” ዝጠቀሱ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ “ቀዳምነት ዝሰራዕናዮ ድሕነት ህዝቢ ትግራይ እዩ፣ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ’ቶም ዘድልዮም ብቅልጡፍ ክባጻሕ ምግባርን ንሙሉእ ዓቅምታት ሕቡራት ሃገራት ነወሃህዶ ኣለና” ኢሎም።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ " ናብ ክልል ትግራይ ብዘይገለ ጸገም ንክንኣቱ ክንክእል ኣለና ኢለ ሎሚ’ውን ጸቂጠ ክዛረብ ይደልይ፣ ኣብ ትግራይ ልዕልና ሕጊ ክረጋገጽ፣ ጸጥትኡ ዝተረጋገጸን ሰብኣዊ መሰላት ብምሉእነት ክሕሎን ናብ ሓቀኛን ነባሪን ዕርቂ ንክምለስን" ጸዊዖም።

ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን፣ ንኢትዮጵያ ትመርሖ ተበግሶ ንምድጋፍ ቅሩባት ኢና ዝበሉ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት "ኩሉ ሓቆፍ ልዝብን ዕርቂን" ክካየድ ደጊሞም ኣዘኻኪሮም።

"ልክዕ ዓሚ ከምዚ ሎሚ፣ ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ሽልማት ኖቤል ሰላም ተቀቢሎም። ኣብ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት’ውን እዮም ተረኪቦምዎ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ሎሚ፣ መንግስቶም ብመሰረት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ‘ከቢድ ግህሰት መሰላት ብምፍጻም ይኽሰስ ኣሎ። ስለዚ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ትርር ምባል’ዶ የድሊ? ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት’ዶ ስጉምቲ ክወስድ ኣይግባእን’ዩ? "ዝብል ሕቶ ቀሪቡሎም ዋና ጸሓፊ ክምልሱ ከለው "ከምዝመስለኒ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣገዳሲ ዝርርብ ምክያድ ጊዚኡ እዩ። ከምዝጠቀስክዎ፣ ልዕልና ሕጊ ክረጋገጽ፣ ሰብኣዊ መሰላት ክሕሎ፣ ሓቀኛ ዕርቂን ሰብኣዊ ቀረባት ብዘይደረት ክባጻሕን ኣለዎ። እዚ’ውን ኢና ንገብር ዘለና’ ኢሎም።

ኣብዚ ቀረባ ምስ ቀ/ሚ ኣብ ዝነበረኒ ዝርርብ፣ ናብዞም ዝጠቀስክዎም ኣንፈት ነምርሕ ነይርና ዝበሉ ኣንቶንዮ ጉተረዝ፣ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ’ውን ተመሳሳሊ ዝርርብ ከምዝተካየደ ኣይከወሉን።

ካልእ ዝቀረበ ሕቶ "ብዛዕባ ኣብ ክልል ትግራይ ይቅጽል ዘሎ ውግእ ሓበሬታ’ዶ ኣለዎም? ከምኡ'ውን ወትሃደራት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ይዋግኡ እንተልዮም ሕ/ሃ ዝረኸቦ ጭብጢ’ዶ ኣሎ?" ዝብል ነይሩ:ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ንቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ጠቂሶም ክምለሱ ከለው "ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተው ዝሕብር ጭብጢ የብልናን፣ ንቀ/ሚ ኣብዪ ብቀጥታ ሓቲተዮም፣ ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ዘሳሓሕቡ ዝነበሩን ንኤርትራ ብዳይነት ኣብዝተዋሃቡን ከባቢታ ጥራሕ’ዮም ዘለው" ኢሎምኒ። "እዚ ፊት ንፊት ኣብ ዝሓተትኩዎም እዋን ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ዝበሉኒ እዩ" ኢሎም።

ብዛዕባ ውግእ ክዛረቡ ከለው "ውግእ ሓሓሊፉ ከምዘሎ ሓበሬታ ኣለና" ከምዝበሉ እቲ ዜና ይሕብር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

'ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ይዋግኡ ከምዘየለው ገሊጾምለይ' ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:06 0:00


Recommended

XS
SM
MD
LG