አዲስ አበባ —
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕረዚደንትን ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ስሪል ራማፎዛ ፍሉይ ልኡኽ ገይሮም ንዝሸሙዎም ሰለስተ ኣባላት ዝሓቖፈ ጉጅለ ልኡኽ ሎሚ ዓርቢ ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም።
ኢትዮጵያ ሕጊ ንምኽባርን ናይ ህወሓት ጉጅለ ገበን ኢሎም ንፀውዕዎምን ናብ ሕጊ ንምቕራብ ንእተገብሮ ፃዕሪ ንኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ዝርድኡ ምዃኖምን ዘለዎም ምስጋናን ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ገሊጾም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ብዛዕባ መስርሕ ምኽባር ሕጊ እውን ነቲ ጉጅለ ልኡኽ መብርሂ ሂቦም ።