አዲስ አበባ —
ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ኣዛዚ ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪካ /ኣፍሪኮም/ጀነራል ስቲፈን ተውሴንድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዘራሪቦም።
ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክልቲ ኦም ሰበ ስልጣን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ወታደራዊ ምትሕብባርን ካልኦት ዛዕባታትን ከምዝተዘራርቡ ኣፍሊጡ’ሎ።