ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ንምርኻብ ዋሽንግተን ዲስ ኣትዮም


ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስትር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ንምርኻብ ሎሚ ሓምስ ዋሽንግተን ዲስ ኣትዮም።

ኣብዚ ፈላማይ ናይ ኣሜሪካ ጉዕዙኦም ኣብ ኣሜሪካ ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያን ብምርኻብ ናይ ለውጢ ኣጀንድኦም ከሰጉሙን ዳያስፖራ ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ክተባብዑን እዮም።

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ናይ ሰለስተ መዓልታት ፃኒሒቶም ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዳያስፖራ ክራኸቡ እዮም።ሰንበት ኣብ ሎሳንጀለስ ሶኑይን ሶሉስን ድማ ኣብ ሚኒሴታ ምስ ኢትዮጵያዊያን ኢትዮጵያዊያን ኣሜሪካዊያንን ክራኸቡ እዮም።

ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ካብ ዝመጹ ናይ ል ኡኻን ቡድን ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁን ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ አቶ ለማ መገርሳን ካል ኦት ሰበ ስልጣንን ከምዝርኸብዎም ተፈሊጡ'ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG