ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ነበርቲ ደሴን ከባቢኣን ዘተ አካይዶም


ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ከተማ ደሴ ምስ ህዝቢ ዘተ ብምክያድ ካብ ህዝቢ ንዝቐረቡሎም ሕቶታት መሊሶም።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ነበርቲ ከተማ ደሴን ከባቢኣን ኣብ ዝዘተይሉ መድረኽ ቀንዲ ትኹረት ዝተገበረሎም ዛዕባታት ምዝንባል ዜጋታት፣ሕገ መንግስቲ፣ቀረብ ሓይሊ ኤሌትሪክ፣ ኣብ ናቶም መሪሕነት ልዕልነት ተወላዶ ኦሮሞ ይርአ’ሎ ዝብሉን ካልኦት ነይሮም።

ምኽትል ቀዳማይ ሚንስትር ኣቶ ደመቀ መኮነንን ዋና ኣማሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ዶ/ር ኣምባቸው መኮነን እውን ኣብቲ ህዝባዊ መድረኽ ዝተሳተፉ ኽኮኑ ከለው፡ ዜጋታት ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ኣብ ሃገሮም ተንቀሳቒሶም ናይ ምንባርን ሃብቲ ናይ ምፍራይን መሰሎም ይጠሓስ ስለዘሎ ስለምንታይ ደው ዘይብል ዝብል ንቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ዘቕረብዎ ሕቶ ከምዚ ክብሉ መሊሶም።

“ኣነ ናብ መዝነት ክመፅእ ከለኹ ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ዝተመዛበሉ ሰባት ነይሮም።ኣነ ምስ መፃእኹ ተወሲኹዎ ኣስታት ክልተ ነጥቢ ገለ ሚሊዮን ተመዛበልቲ ነይሮም።ምዝንባል ብዝምልከት ክልተ ነገራት ኣለው።ተመዛቢልካ ኪድ ዝብል ኣሎ፤ተመዛቢልካ ንዓ ዝብል ድማ ኣሎ ምኽንያቱ ምዝንባል ንብዙሓት ሰባት ንግዲ ስለዝኾነ።”

ቀጺሎም ምዝንባል መለመኒ ኮይኑ’ሎ ዝበሉ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብዚ ዓመት ብዝተኻየደ ምርብራብ ተመዛበልቲ ተመሊሶም ኣለው ኢሎም።

“በዚ ኣጋጣሚ ንሚንስትር ሰላም ዝለዓለ ምስጋና ከቕርብ እደሊ።ኣብዚ ዓመት ብዝተኻየደ ርብርብ ኣብ ናትና ናይ መሪሕነት ግዜ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣቐዲሞም ዝተመዛበሉ ሓዊሱ ክሳብ ሕጂ 1.8 ሚሊዮን ህዝቢ ናብ መነባብርኦም መሊስናዮም ኣለና።ሎሚ በብክልሉ ዝተረፉ ክድመር ከሎ ኣስታት 500 ሽሕ ኣለው።እዚኦም እውን ክረምቲ ቅድሚ ምዝዛሙ ብሙሉኦም ንምምላስ ብዝለዓለ ደረጃ ንሰርሕ ኣለና።”

ጥፍኣት ከየጋጥም ምክልኻል፣ምስራሕን ምልማዕን ዝኸበደ ምዃኑ ዝገለፁ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ጥፍኣት ግን ዝቐለለ ስለዝኾነ ኩሉ ክነግስን ክፍክርን ፈቖዱኡ ትሰምዕዎ ኣለኹም ኢሎም።

ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሄር መሰረት ዝገበረ ስርዓት ፌደራል ምዃኑ ክልላት ሃገራዊ ራእይ ከይህልወን እናገበረ እዩ ዝብል ሕቶ፡ “ንኢትዮጵያ ዘፍርሳ ሕገ መንግስቲ እዩ፤ንኢትዮጵያ ዘፍርሳ ክስቶ እዩ፤ዝብሃል ነገር፡ንኢትዮጵያ ዘፍርሳ ነገር ኣብ ውሽጥና ዘሎ ናይ ልቢ ምሽፋት ጥራሕ እዩ።ንሕና እንተድኣ ተቐይርና እቲ ሕጊ ኣብ ኢድና’ዩ፣እቲ ስርዓት ኣብ ኢድና፣ንሕና እንተድኣ ተቐይርና መንግስቲ ኣብ ኢድና እዩ ዘሎ።እንታይ ዝፅግመና ነገር ኣሎ?” ኢሎም።

ሕገ መንግስቲ እንተድኣ ተተንኪፉ ጠፋእና ዝብሉን እዚ ሕገ መንግስቲ እንተድኣ ሃሊዩ ሃገር ዝብሃል የለን ዝብሉን ክልቲኦም ኣብ ክልተ ጫፍ ዝረገፁ ኣበሃህላታት እዮም ዝበሉ ቀ/ሚ ኣብይ ሕገ መንግስቲ ሃለወ ኣይሃለወ ኢትዮጵያ ክትቕፅል እያ ኢሎም።ግን ኸአ ሕገ መንግስቲ ስለዘድልይ ምዝርራብን ግዜን ይደሊ እዩ ኢሎም።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ የጋጥም ንዘሎ ምቁርራፅ ሓይሊ ኤሌትሪክ ብዝምልከት ፀገም ከምዘሎ፣ ኣብ ቀረብን ምህርትን ሓይሊ ኤሌትሪክ ኣፈላላይ ኣሎ ኢሎም።እቲ ዝዓበየ ፀገም ግን ሓይሊ ኤሌትሪክ ካብ ዝፈርየሉ ዘጋጠመ ናይ ቐረብ ፀገም እዩ ኢሎም ።

ልዕሊ 35 ሚእታዊት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ኣገልግሎት ከይበፅሐ ኣብ መንጎ ከምዝባኽን ብምሕባር ምስ መንግስቲ ቻይና ዝተገብረ ናይ 1.8 ቢሊዮን ዶላር ስምምዕ ቀንዲ ትኹረቱ ሓይሊ ኤሌክቲሪክ ካብቲ ዝፈርየሉ ናብ ከተማታት ምብፃሕ ስለዝኾነ ኣብ ቀረባ ክፍታሕ እዩ ኢሎም።

ኣብ እዋን ስልጣን ዘመን ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ናይ ሓደ ብሄር ልዕልነት ይርአ’ሎ፤ናይ ኦሮሞ ተወለድቲ ስልጣን ብዝለዓለ ደረጃ ወሲኹ ዝብሉ ቅሬታ ዝተሓወሶም ርእይቶታት ካብ ተሳታፊት ቀሪቦም ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ እዚ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ እዩ፣የግዳስ ኣብቶም ዝሓለፉ 30 ዓመታት ተወለደቲ ኦሮሞ ሚንስትራትን ምኽትል ሚንስትራትን ብብዝሒ ዝለዓለ ነይሩ፤ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ከምኡ ኣይኮነን ዘሎ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG