ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ስድራ ዝተጨውዩ ተማሃሮ ደምቢደሎ ዩኒቨርሲቲ ምዝርራቦም ተገሊጹ


ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድን ምኽትሎም ደመቀ መኮነንን ንስድራ ዝተጨውዩ ተማሃሮ ደምቢደሎ ዩኒቨርስቲ ከምዘዘራረቡዎም ተገሊጹ።

ጓሎም ዝተጨወየቶም መርጌታ የኔነህ ኣዱኛ ዝተጨውዩ ተማሃሮ ብህይወት ምህላዎም ከምዝተንግሮም ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።

መርጌታ የኔነህ ጓሎም ግርማነሽ ካብ ዝተጨወዩ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ደምቢደሎ ምዃና ይዛረቡ።ንሶምን ካልኦት ክልተ ደቆም ዝተጨወዩ ስድራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ተራኺቦም ምዝርራቦም ገሊፆም።

“ቀዳማይ ሚንስትር ረኺቦምና።ኩሎም ነይሮም።ምኽትሎም እውን ነይሮም፤እነ በዓል ኣቶ ንጉሱ እውን ኣለው።ኩሎም ኣብዝተረኸብሉ እዮም ደቅና ብህይወት ከምዘለዋ ዝነበሩና።ብህይወት ክሳብ ዘለው ደስ ኢሉና’ሎ።ኩነታቶም እናተኸታተሉ ከምዝገልፁልና ምስ ረኸቡዎም እውን ናባና ከምዝልእኹዎም ገሊፆምልና።”

ንሶም ወሲኾም ብኣካል እንተዘይረኸብናየን እውን ብህይወት ምህላወን ኢና ንደሊ ብህይወት ምህላወን ተረዲና ኣለና ኢሎም ።

ሞት ወይ ካልእ ጉድኣት ከምዘየለ ከምዝገለፁሎም ብምሕባር ብስልኪ ኣራኺቦምዎም እንተኾይኖም ተሓቲቶም ናይቶም ተምሃሮ ስልኪ ከምዘይሰርሓሎም ንመጻኢ ዝረአ ምኳኑ ብምሕባር ኣብ ጉዕዞ ስለዝነበሩ ካብዚ ንላዕሊ ክዛረቡ ከምዘይደልዩ ገሊፆም።

ዝተጨውዩ ተማሃሮን ካልኦትን ነፃ ንምውጻእ ዝተጀመረ ጻዕሪ ሓይሉ ከምዝቕጽል ሰበስልጣን መንግስቲ ትማሊ ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ገሊፆም ኣለው።

ብዛዕባ ብዝሒ’ቶም ዝተጨወዩ ኣመልኪቱ ዝዋሃብ ዝተፈላለየ ሓበሬታ ቅኑዕ ኣይኮነን ክብሉ እውን ትማሊ ረቡዕ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃቡ ሓላፊ ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ዝርከብዎም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ምሕባሮም ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG