ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ማይክ ፐንስ ተዘራሪቦም


ርክብ ቀሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ማይክ ፐንስ
ርክብ ቀሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ማይክ ፐንስ

ኣብ ኣሜሪካ ዝበጽሕሉ ዘለው ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ዓርቢ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ማይክ ፔንስ ተራኺቦም: ምዝርራቦም ቤት ጽሕፈት ምክትል ፕረዚደንት ካብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።


ኣብቲ ርክብ ምክትል ፕረዚደንት ማይክ ፔንስ ኣሜሪካ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዝጸንሓ አጋርነት ዳግማይ ብምርግጋጽ: ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት: ናይ ንግዲ ሃዋህው: ከምኡ'ውን ምስ ኤርትራ ዝተበጸሓ ስምምዕ ሰላም ዝርኸብዎም ጉዳያት ንዘካይድዎ ዘለው ጻዕርታት ንታሪኻዊ ለውጢ ንዒዶም።

እቶም ምክትል ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለው ግጭታት ንምፍታሕ ትጻወቶ ተራ መሪሕነትን ምስ ኣሜሪካ ዘለዋ ዝምድና ወፍሪ ክትቅጽል'ውን ኣተባቢዖም።

ኣብ መወዳእታ ክልቲኦም መራሕቲ ንናይ ሃገራቶም ናይ ሓባር ክብርታት ብምስማር አጋርነቶም ከምዘሓየሉ አረጋጊጾም።

XS
SM
MD
LG