ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ሓይልታት ትግራይ ንምዝታይ ኮሚተ ምቛሙ ገሊጾም


ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ድሕሪ ናይ 18 ኣዋርሕ ዂናት ምስ መራሕቲ ክልል ትግራይ ንምዝታይ ኮሚተ ምጥያሱ ንኣባላት ፓርላማ ገሊጾም።

ከም ሓበሬታ ተንተንቲ ፖለቲካን ኣፈፀምቲ ሕግን ግና እቲ ዘተ ስምምዕ ዕዉት መታን ክኸውን ካብ ህወሓትን መንግስቲን ወፃኢ ካልኦት ኣካላት እውን ክሕውስ ኣለዎ በሃልቲ እዮም።

ተወካሊ ሃገራዊ ምንቅስቃ፟ስ ውድብ ኣምሓራ ዝኾኑ ኣባል ቤትምኽሪ ደሳለኝ ጫኔ ከምዝበልዎ እዚ ዘተ ማዕረ ውክልና ዘለዎ ካብ ክልል ኣምሓራን ጎረቤት ሃገር ኤርትራን ክሓውስ ኣለዎ ክልቲኦም ኣብቲ ኲናት ርኡይ ግደ ዝነበሮም እዮም ኢሎም።

“እቲ ከይዲ ዘተ ሰላም ንኹሉም ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ዝነበሩ ወገናት ማዕረ ውክልና ዘይህብ እንተኾይኑ ዝሳኻዕ ኣይኸውንን ። ምናልባት መንግስቲ ጥቅ፟ምታት ኣምሓራን ኤርትራን ዘየክብረሎም እንተኾይኑ ባዕሎም ከኽብሩ ክግደዱ እዮም ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ነዚ ሕጋዊ ስግኣቶም ተረዲኡ ንኤርትራን ኣምሓራን ናብቲ ዘተ ሰላም ክዕድሞም ይግባእ።”

ኣቶ ደሳለኝ ጫኔ መንግስቲ ግን ስጋብ ሕጂ ነዚ ኣመልኪቱ ዝበሎ የለን ክብሉ ወሲኾም ተዛሪቦም ።

ወሃቢት ቃል ርክባት መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ ንድምፂ ኣሜሪካ ከምዝበለኦ "ኩሉ ከይዲ ዘተ እቲ ስምምዕ" እቲ ኮሚቴ ዝከታተሎ ምዃኑ ይገልጻ።

"መንግስቲ ሃገራዊ ስምምዕ ዝፈጥር ፣ ሰፊሕን ንኹሉ ዝሓቆ፟ፈን ህዝባዊ ዘተታት ዘተባብዕ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኣጣይሱ እዩ ። ኢትዮጵያውያን ሰላም ንምምፃእ ብሓባር ጠጠው ክንብል ኢና ። ፈደራል መንግስቲ'ውን ነቲ ምስ ክልል ትግራይ ዝካየድ መስርሕ ሰላም ዝከታተል ኮሚቴ ኣጣይሱ ኣሎ እዚ ፃዕሪ እዚ ኸኣ ሓፈሻዊ ተሳትፎ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ዘረጋግፅ እዩ።"

ብወገን ህወሓት እቲ ዘተ ወሳኒ ዝገበሮ ይመስል ። ወሃቢ ቃል እቲ ውድብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ከምዝበሎ ኣብ ኣመራርሓ ኮሚሽን ሕብረት አፍሪቃ ሕጂ እውን ምሉእ እምነት ከምዘይብሉ ከምኡ'ውን ላዕለዎት ኣመራርሓ ሕብረት አፍሪቃ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዘለዎም ዝለዓለ ምቅርራብ “ከየስተብሃልሉ ኣይተረፈን ” ኢሉ ።

እቲ መግለፂ ኣብቲ ብፕረዚደንት ኬንያ አኣንጋዲነት እቶም ወገናት ኣብ ኬንያ ክራከቡ ዝዓለመ ውሳነ ከምዝቕበሎ ይሕብር ይብል ።

ቤልጅየም ዝመደብሩ ኣብ ኢንተርናሽናል ክራይሲስ ግሩፕ ትካል ምርምር ዝሰርሕ ተንታናይ ፖለቲካ ዊልያም ዳቪድሰን ከምዝበሎ እቲ ዘተ ካብ ሽምግልና ዝሰገሩ ካልኦት ጉዳያት ከካትት ይግባእ ይብል ።

"ንሰላም ዘተዓናቅ፟ፉ ብዙሓት ጉዳያት ኣለዉ ። ከምዝመስለኒ ፈለማ ፈደራላዊ ኣገልግሎታት ናብ ትግራይ ብፍላይ ከም ባንኪ ፣ ቴሌኮምኒኬሽን ኤለክትሪክን ዝበሉ መሓዉራት ምምላስ ኣድላዪ እዩ ። ካልእ ንህወሓት ከም ግብረ ሽበራዊ ዝተበየነሉ ኩነታት ኣሎ ። እቲ ዝዓበየ ግና ናይ ምዕራብ ትግራይ ጉዳይ እዩ።"

ክልል ኣምሓራ ነቲ ዘሰሓሕብ ዞባ ኣብቲ እዋን ኲናት ነቲ ኸባቢ ድሕሪ ምቁፅፃሩ ለቂ፟ቁ፟ ከምዘይወፅእ ክገልፅ ከሎ ህወሓት ግን ናይግድን ናብ ዝነበሮ ክምለስ ኣለዎ ይብል ።

ኢትዮጵያዊ ተንታኒ ኪራም ታደሰ ብወገኑ በቲ ኲናት ዝተፀልወ ቁጠባዊ ኩነታት እታ ሃገርን ንድርቂ ሓዊሱ ናህሪ ዋጋን ካልኦት ጉዳያትን ክልቲኦም ወገናት ናብ ሰላም ገፆም ከዝሩ ኣገዲዱዎም ክከውን ከምዝኽእል ይዛረብ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ንኣባላት ቤትምኽሪ ኣብ ዘስመዎ ዘረባ ብሰንኪ እቲ ጎንፂ ልምዓት ይተዓናቀፍ ምህላዉ እዮም ገሊፆም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ሓይልታት ትግራይ ንምዝታይ ኮሚተ ምቛሙ ገሊጾም
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:22 0:00

ርእይቶታት ንምርኣይ (1)

XS
SM
MD
LG