ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ካብ ኢትዮጵያ ንምውጻእ ተሰማሚዑ ክብሉ ኣፍሊጦም


መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ካብ ኢትዮጵያ ንምውፃእ ተሰማሚዑ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብ ኣስመራ ኣብዘካየድዎ ዝርርብ ኣብ ክልትኣዊ ጉዳያት እውን ኣብ ስምምዕ ምብፅሖም ተገሊፁ ኣሎ።

ትማሊ ናብ ኣስመራ ዝገሹ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘካየዱዎ ዝርርብ ውፅኢቱ ዕላዊ ዝገበሩ ሎሚ'ዩ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ካብ ዶብ ኢትዮጵያ ንምውፃእ ተሰማሚዑ ኣሎ።ሃገራዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሽዑ ንሽዑ ተኪኡ ንከባቢታት ዶብ ክሕልው እዩ ኢሎም ኣለው።

ኣሜሪካ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ መንግስታትን ዓለምለኸ ትካላትን ነዚ ናይ ኤርትራ ወታሃደራት ካብ ኢትዮጵያ ምውፃእ ክሓቱ ፀኒሖም እዮም።ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብዚ ቅኒያት ናብ ኢትዮጵያ ዝለኣኹዎም ልኡኽ ሰኔተር ክሪስ ኩንስ ካብ ዝተዘራረቡሎም ጉዳያት ሓደ ናይ ኤርትራ ወታሃደራት ምውፃእ ከምዝኾነይዝከር።

ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ናይ ኣስመራ መገሻ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ጉዳያት እውን ኣብ ስምምዕ ከምዝተበፅሐ ተሓቢሩ ኣሎ።ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ሓቢሮምዎ ካብ ዝተጉዓዙ ኣባል ልኡኽ ሓደ ዝኾኑ ሚኒስትር ምህዞን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣብርሃ እቲ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ኣስመራ ዑደት ውጽኢታዊ ነይሩ ኢሎምዎ።

ሰራዊት ኤርትራ ካብ መዓዝ ጀሚሩ ከምዝወፅእ ግን ኣብ መግለፂ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣይተጠቐሰን።ናይ ኢትዮጵያ ሚኒስትር ምክልኻል ዶክተር ቀንኣ ያዴታ ናብ ኣስመራ ካብ መንጎ ዝገሹ ኣባል ልኡኽ ሓደ እዮም።

ብዛዕባ እዚ ምውፃእ ሰራዊት ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝተሰምዐ ነገር የለን።

XS
SM
MD
LG