ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ሓይልታትን መራሕቲን ህውሃት ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ኢዶም ክህቡ ጸዊዖም:ዶ/ር ደብረጽየን ምላሽ ሂቦም ኣለው


ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ሓይልታት ክልል ትግራይን መራሕቲ ህውሓትን ኢዶም ክህቡ ወይ ኣብ ዋና ከተማ መቐለ ወታሃደራዊ መጥቓዕቲ ከምዝፅበዮም ናይ ግዜ ገደብ ኣቐሚጦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ንመራሕቲ ህወሓት ዓሊሞም ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ‘’ናይ ጥፍኣት ጉዕዘኹም እናተዛዘመ ብምዃኑ ኣብ ዝቕፅሉ 72 ስዓታት ብሰላም ኢድኩም ንኽትህቡ ነተሓሳስበኩም’’ ኢሎም ።

ንሶም ብምውሳኽ ‘’እዚ ናይ መወዳእታ ዕድል ተጠቐምሉ’’ ኢሎም ።

መራሒ ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ንመራኸቢ ማዕኸናት ክልል ትግራይ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ይወሃብ ዘሎ መወዳእታ ዘይብሉ ናይ 72 ስዓታት መጠንቀቕታ ዝተናውሐ ብፅንዓት ስለዝመከትናዮ እዩ ኢሎም። ድልየቶም ኣብ ዝተቐመጡ ስዓታት ክውዳእ ከምዘይኽእል ዝገበርናዮ ፅኑዕ መኸተና እዩ ኢሎም።

‘'ናትና ድልየት ናይ ግዜ ምሕፃርን ምንዋሕን ዘይኮነስ ምሉእ ዓወት እዩ፤መሊእና ክሳብ ንዕወት ክንቃለስ ይግባእ፤ትማሊ ኣብዝተፈላለዩ ዓውደ ውግኣት ዝተረኸቡ ፍሉያት እዮም፤ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣብ ሰለስተ ግንባራት ፍልይ ዝበሉ ተግባራት ተፈፂሞም እዮም፤ናይ ውግእ ዓቕምና ካብ ዕለት ናብ ዕለት መልክዕ እናሓዘ ይመፅእ ኣሎ’’ኢሎም ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ 25 ጥቅምቲ 2013ዓ\ም ጀሚሩ ኣንፃር ሓይልታት ትግራይ ኣብ ውግእ ይርከቡ።

እቲ ኵናት ካብ ዝጅምር ብ ኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም ኣሽሓት ድማ ናብ ሱዳን ሃዲሞም ኣለው።

ኣብቲ ክልል ርክባት ኢንተርኔትን ስልክን ብምጥፍኡ ብዝሒ ዝሞቱንን ሪፖርትታት ዓመፅን ንምርግጋፅ ከቢድ ገይሩዎ ኣሎ።

ብኻልእ ዜና ብሓይልታት ምኽልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብዝተታሓዙ ከተማ ኣላማጣን ከባቢኡን ዝርከባ ጣቢያታት ግዚያዊ ምምሕዳር ምጥያሹ ተሓቢሩ'ሎ ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG