ነቀምት —
ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ለማ መገርሳን ንፈለማ ግዜ ንኢሉ ኣባቡራ በፂሖም።
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝርከብ ዞባ ኢሉ ኣባቡራ ከተማ መቱ ዝበፅሑ ክልቲኦም መራሕቲ ንዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ከምዝመረቑ ተፈሊጡ’ሎ።
ነባሪ ኢሉ አባቡራ ከተማ መቱ ዝኾኑ ኣቶ ንጋቱ ቶለሳ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይን ፕረዚደንት ኦሮምያ ኣቶ ለማ መገርሳን ነቲ ከባቢ ንፈለማ ጊዜ ምብጽሖም ከምዘሓጎሶም ገሊጾም።