ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ: ኢትዮጵያ 100 ዲጋታት ከምትሃንጽ ኣመላኺቱ ዝብል ንግብጺ ምቑጥዑ ተገሊጹ


ወሃቢ ቓል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝቕጽል ዓመት 100 ናእሽቱን ማእከሎትን ዲጋታት ክሃንጽ ምዃና ኣመላኺቱ`ሎ ዝብል ተቓውምኡ ኣስሚዑ። እዚ ዝስማዕ ዘሎ ብዛዕባ ምምላእ ዓቢይ ህዳሰ ገና ፍታሕ ኣብ ዘይተረኽበሉ እዋን`ዩ ።

ብኻልእ ወገን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ኢትዮጵያ ንግብጺ ዝጎድእ ዝኾነ ዓይነት ምግዳብ ኣባይ ከምዘይትገብር ደጋጊሙ ክገልጽ ተሰሚዑ'ዩ።ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ሰሙናዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ድማ፡ ኢትዮጵያ ንዓለም-ለኸ ሕግታት ክሳብ ዘኽበረት ብፍላይ ንሕግታት ኣጠቓቕማ ዶብ ተሳገርቲ ኣፍላጋት ክሳብ ዘኽበረት ንዝኾነ ይኹን ጸጋታት ናይ ምጥቃም መሰልና ዝተሓለወ`ዩ ምባሉ ተሓቢሩ`ሎ።

መሓውራት ዜና ግብጺ ካብ ወሃቢ ቃል-ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሕመድ ሓፈዝ ቁጥዐ ዝመልኦ መልእኽቲ ኣሕሊፈን ኣለዋ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብቲ መሕለፊ ማያት ናእሽቱን ማእከሎትን ዲጋታት ክሃንጽ ኢሉ ንዝብል ዝነቅፍ መልእኽትታት`ዩ። እዚ ድማ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ሕማቕ ድልየት ምልክት`ዩ ብምባል ኢትዮጵያ ጉድኣት ቅድሚ ምውራዳ ብዛዕባ መደባታ ምስ ጎረባብታ ሃገራት ምትሕብባር ክህልዋ ኣለዎ ኢሉ።

ዝሓለፈ ሰሙን ጂቡቲ ዝበጽሐ ፕረዚደንት ግብጺ ኣል ሲሲ፡ ብዛዕባ ምምላእ ዓቢይ ህዳሰ ሕጂ`ውን ንዲፕሎማሲያዊ ፍታሕ ንምልዛብ ተስፋ ከምዝገብር ተዛሪቡ`ሎ::

"ኣል ሲሲ ብዛዕባ`ቲ ነቲ ዞባ ምሉእ ዝትንክፍ ጽልዋ ኩነታት ዲጋ ህዳሰ ከምኡ ድማ ብዛዕባ ምምላእን ኣብ ስራሕ ምውዓልን`ቲ ዲጋ- ብዝክኣል መጠን ኣብ ዝቐልጠፈ ኣብ ሓደ ርትዓውን ሚዛናውን ስምምዕ ክብጻሕ ከምዝደሊ ሓቢሩ`ሎ። ከምኡ`ውን ንረብሓ ካልኦት ዘይሓቁፍ ናይ ሓደ ወገን ረብሓ ጥራይ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዝጽዕን ከምዘይቅበል ይገልጽ።"

ግብጻዊ ፖለቲከኛ ሰይድ ሳዲቅ- ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ብዛዕባ ካብ ሓምለ ጀሚሩ ዝግበር ካልኣይ ምምላእ ዲጋ ህዳሰ ንህዝቢ ግብጺ ኣቖጢዑ`ሎ ይብል።

እዚ ተንታኒ ህዝባዊ ርእይቶ ኣዝዩ ቁጡዕ`ዩ ዘሎ ንመንግስቲ`ውን: ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሚድያን ኣንጻር ህዝቢን መንግስትን ግብጺ ዝሰምዕዎ ተኹታኹ ዘረባታት ምላሽ ክህብ ይደፍኦ`ሎ- ይብል ። ሕብረት ኤውሮጳ ኣሜሪካን ሕብረት ኣፍሪቃን ነቲ ቅልውላው ዲፕሎማሲያ ፍታሕ ክደልይሉ ይግባእ ይብል።

ኣብዚ ኣብ ዋሺንግተን ፕሮፈሰር መጽናዕቲ ሃገራዊ ምክልኻል ዝኾነ ፓወል ሱሊቫን ብወገኑ ኢትዮጵያ ንዓቢይ ህዳሰ ምህናጻን ተወሳኺ ክሃንጽ ምባላን ተወሳኺ ምልዕዓል`ዩ ዝፈጥር ዘሎ ኢሉ።

ግብጺ ክትምልስ ኣለዋ ዝበለ ሱለቫን፡ ኢትዮጵያ ትህቦ ዘላ ምልክታት ናይ ሰላም ኣይኮነንናብ ኩናት እንተተኸይዱ ግን ኩሎም ወገናት'ዮም ከቢድ ጉድኣት ዝወርዶም ኢሉ።

ብኻልእ ወገን ብዛዕባ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኢልዎ ዝብሃል ምግዳብ ተወሳኺ ዲጋታት ካብ መንግስቲ ምላሽ ክንረክብ ንፍትን ኣለና። ቅድሚ ሎሚ ግን ቀ/ሚ ኣቢይ ብተደጋጋሚ ንሕና ኣባይ ኣይገደብናን፡ ኣባይ ኩሉ ሻዕ ምስፈሰሰ'ዩ ንግድብ ህዳሰ ክንሃንጽ ከለና ንሕና ነቲ ካብ ዝናብ ዝውሰኽ ሒደት ዝናብ ኢና ንጥቀም ዘላና ክብል ክብል ምግላጹ ይዝከር'ዩ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ሰሙናዊ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ንዓለም-ለኸ ሕግታት ክሳብ ዘኽበረት ብፍላይ ንሕጋታት ኣጠቓቕማ ዶብ ተሳገርቲ ኣፍላጋት ክሳብ ዘኽበረት ንዝኾነ ይኹን ጸጋታት ናይ ምጥቃም መሰልና ዝተሓለወ`ዩ ምባሉ ፋና ብሮድስካቲንግ ኮርፐረሽን ጸብጺቡ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG