ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ 'ንጸላእትና ኣብ ዓሚቕ ቐቢርና:ኢትዮጵያ ካብ ምብትታን ድሒና ክትንስእ'ያ' ክብሉ ኣብ ዝክሪ ሓደ ዓመት ኲናት ክልል ትግራይ ተዛሪቦም


ካብ ኣብ ገጻት ሎሚ ረቡዕ አብ አዲስ አበባ ተሓቲሙ ዝወጸ ጋዜጣ

ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንመበል ሓደ ዓመት ኩናት ክልል ትግራይ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝዘኸረሉ እዋን፡ ንጸላእትና ኣብ ዓሚቕ ቀቢርና፡ኢትዮጵያ ካብ ምብትታን ድሒና ዳግም ክትንስእ`ያ ክብል ተዛሪቡ።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዶ/ር ኣቢይ ነቲ መደረ ዘስምዐ፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምምራሽ ኣብ ዝደናደንሉ እዋን`ዩ ይብል ።

ኣብ 2019 ምስ ኤርትራ ሰላም ብምፍጣር ሽልማት ኖቤል ሰላም ዝተዓወተ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ምእዋጅ ህጹጽ እዋን ሓደጋ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ዋና ወተሃደራዊ ማእከል መደረ ኣብ ዘስምዓሉ እዋን "ጸላእትና ብደምናን ኣዕጽምትናን ይቕበሩ`ምበር ኢትዮጵያስ ኣይክትበታተንን`ያ" ኢሉ።

ቅድሚ ሓደ ዓመት ከምዛ ሎሚ መዓልቲ ኩናት ዝተጀመረ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበረ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ድሕሪ ምጥቅዑ`ዩ። ከም ምላሹ ድማ ቀ/ሚ ኣቢይ ሰራዊቱ ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣውፊሩ።

ዳርጋ ን30 ዓመታት ንኢትዮጵያ ዝመርሐ ህወሓት፡ ስልጣኑ ዝሰኣነ፡ ድሕሪ ናይ ዓመታት ጸረ-መንግስቲ ተቓውሞታት፡ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ስልጣን ድሕሪ ምርካቡ`ዩ። ድሕሪኡ ምክሳስ ቀጺሉ: እቲ ዝተወልዐ ግጭት ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ቀቲሉ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣፈናቒሉ፡ ኣብዚ እዋን`ዚ ኣስታት ፍርቂ ሚልየን ሰባት ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ዓጸቦ ተፋጢጦም`ለዉ።

ኩናት ናብ ክልተ ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ`ውን ልሒኹ፡ ነታ ካብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝቢ ካልአይቲ ዝኾነት ሃገር ኣብ ዘይምርግጋእ ኣውዲቑ። ትማሊ ሰሉስ ዝተዛረበ ኣቦ-መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሙሳ ፋቂ፡ እቲ ናህሪ ወተሃደራዊ ግጭት፡ ብዓሚቕ ከምዘሻቐሎ ድሕሪ ምግላጽ፡ ክልቲኦም ወገናት ናብ ዘተ ክኣትዉ ኣተሓሳሲቡ። ጎረቤት ሃገር ኬንያ`ውን ሃገራዊ ሓይሊ ፖሊሳ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘዳውብ ከባቢ፡ ጸጥታ ኣሐይሉ ከምዘሎ ኣፍሊጣ`ላ።

ኢትዮጵያ`ውን ከም ኬንያ ኣብ ሶማል ኣንጻር ኢስላማዊ ኣልሸባብ ነቲ መንግስቲ ንምሕጋዝ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ኣለዉዋ ።

ሕጂ መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ብኡ ንብኡ ዝትግበር ንሽዱሽተ ወርሒ ዝጸንሕ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣዊጁ`ሎ።

እቲ ህጹጽ ኣዋጅ ዝስማዕ ዘሎ፡ ህወሓት ብርክት ዝበላ ከተማታት ኣብ ዝሓዘሉን ናብታ ኣስታት 380 ኪ.ሜ ርሒቓ ትርከብ ኣዲስ ኣበባ ምናልባት ክምርሽ`የ ኣብ ዝብለሉ ዘሎን እዋን`ዩ።

ሕጂ እቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን፡ ዜጋታት ወተሃደራዊ ግዴታ ክቕበሉ መንግስቲ ክእዝዝ ዘኽእሎ`ዩ።

ከምኡ`ውን ሰበ-ስልጣን ንዝኾነ ምስ ኣሸበርቲ ጉጅለታት ምትሕብባር ኣለዎም ኢሎም ንዝጥርጥርዎም ክኣስሩ ዘፍቅድ`ዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት፡ ንህወሓት ኣሸባሪ ጉጅለ ኢሉ መዲብዎ`ዩ።

ድሕሪ ምእዋጅ`ቲ ህጹጽ እዋን፡ ተወላዶ ትግራይ ኣብታ ዋና ከተማ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይእሰሩ ከምዘለዉ ዝተፈላለየ ጸብጻባት ይሰማዕ `ሎ።

ኣብ ሓደ ናይ ብሕቲ ክሊኒክ ትሰርሕ ሰበይቲ ንሮይተርስ ክትሕብር ከላ፡ ብሄር ተጋሩ ዝኾኑ ኣርባዕተ ዶክተራትን ሓንቲ ነርስን ትማሊ ሰሉስ ምሸት ብፖሊስ ተታሒዞም ክ ውሰዱ ርእየ ኢላ።

ሓደ ሽሙ ንምጥቃስ ዝፈርሓ ነባሪ ከባቢ ቦሌ ድማ፡ ፖሊስ ኣብ ጽርግያ ሃንደበት ንሰባት ደው ኣቢሎም መለለዪ ካርድ ክሓቱ ርእየ ኢሉ። እቲ ናይ መንግስቲ ካርድ ሽም ብሄር ይገልጽ`ዩ። ሰለስተ ሰባት ክእሰሩ ርእየ ኢሉ፡ ።

ሓንቲ ሰበይቲ ድማ፡ ኢንጅነር ሰብኣየይ ኣብ ጽርግያ ብተለፎን ትግርኛ ይዛረብ ስለ ዝነበረ ብፖሊስ ተታሒዙ ትብል።

ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኮነ ወሃቢ ቓል መንግስቲ ብዛዕባ`ዚ ንሮይተርስ ምላሽ ክህቡ ኣይክኣሉን።

ብኻልእ ወገን ሎሚ ንሮይተርስ ዝተዛረቡ ክልተ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ፡ ንጻውዒት ቀዳማይ ሚንስተር ብምስማዕ ናብቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከምዝጽንበሩን፡ ኣንጻሮም`ቶም ዓመጽ ዘልዓሉ ሓይልታት ትግራይ ከምዝዋግኡን ኣፍሊጦም ኣለዉ ይብል ሮይተርስ።

"ሃገር ክትህልወና ንደሊ ኢና ስለዚ ኩላትና ነቲ ናይ ክተት ጻውዒት ክንሰምዖ ኣለና" ይብል ወዲ 28 ዓመት መርከብ ሺፈራው። ብሞያ ኢንጂነር`ዩ። ኣስዒቡ ገለ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ በቲ ኩነታት ዝጭነቑ ኣለዉ፡ እንተኾነ እታ ከተማ ሰላም`ያ ዘላ ይብል።

ብኻልእ ወገን ብመሰረት ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ነታ ሃገር ካብቲ ካብ ቀረጽ ናጻ ዝገብር ዕዳጋ ኣመሪካ ከውጽኣ መዲቡ ምህላዉ ድሕሪ ምግላጹ ሎሚ ረቡዕ ውሕስነት ዓቕሚ ክፍሊት ዶላር ኢትዮጵያ ፡ ዛጊት ናብ ዝተሓተ ወሪዱ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG