ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ንቀላይ ጣና በጺሖም፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻይዱ


ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዙሪያ ቀላይ ጣና ጉድኣት የውርድ ዘሎ ‘’እንቦጭ’’ ዝተብሃለ ፃህያይ ንምዕዛብ ትማሊ ሰንበት ኣብቲ ቦታ ምብጽሖም ተገሊጹ።

ነቲ ዝወርድ ዘሎ ጉድኣት ምስ ተዓዘቡ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ መንግስቲ ኣብ መፅናዕቲ መሰረት ዝገበረ ስጉምቲ ከምዝወስድ ሓቢሮም።

ዶ/ር ኣብይ ኣብ ውቅር ኣብያተ ክርስቲያን ላሊበላ ብምብፃሕ ንህዝቢ ኣብዘስምዕዎ መደረ ላሊበላ ዝኣክል ዘደንቕ ዓለምለኸ ሓድጊ መሊስና ክንሃንፅ እንተዘይክኣልና እውን ምዕቃብ ግን ግቡእና እዩ ኢሎም።

ብኻልእ ዜና ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ትማሊ ሰንበት ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።ዕላማ ናይቲ ሰልፊ ናይ ወልቃይትን ራያን ሕቶ መንነት መንግስቲ ቕልጡፍ መልሲ ይውሃብ፣ንናይ ላሊበላ ሓድግታትን ፃህያይ እንቦጭን ፍታሕ ይውሃብ ዝብል ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG