ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ናይ ኣሜሪካ ዑደቶም ዛዚሞም ናብ አዲስ አበባ ተምሊሶም


"መንድቕ ኣፍሪስና ድልድል ንህነጽ" ዝብል ቴማ ሒዙ ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ምስ ኢትዮጵያዊያን ዳያስፖራ ንሽዱሽተ መዓልታት ፅምዶ ከካይድ ዝቐነየ ብቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ጉጅለ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሱ።

ምስቲ ጉጅለ ንዓመታት ኣብ ስደት ዝፀንሑ ፓትሪያሪክ ኦርቶዶስክ ኢትዮጵያ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ መርቆርዮስ እውን ሓቢሮምዎም ተመሊሶም ኣለው።ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ እዚ ናይ ሰሜን ኣሜሪካ ዑደቶም ኣዚዩ ዕዉትን ዝበለፀ ሓላፍነት ዘሸክምን እዩ ኢሎም ኣለው።

ንሶም ብተወሳኺ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ዕርቂ ጌራ ሓደ ከምዝኽዕነት ናይ ኤርትራ’ውን ከምኡ ክትከውን ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቀ/ሚ ኣብይ ናይ ኣሜሪካ ዑደቶም ዛዚሞም ናብ አዲስ አበባ ተምሊሶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:03 0:00

XS
SM
MD
LG